ናይ ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖ ናይ እዝዚ ሸዋ ኣዛዚ ኮሎኔል ኣሰግድ መኮነን ኢዱ ንመንግስቲ ከምዝሃበ፡
ሓይሊ ዕማም ጸጥታን ድሕነትን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ኮሎኔል ኣሰግድ ኢዱ ዝሃበ፡ ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ይፍጽምዎም ንዝበሎም ቅትለትን
ከትርን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ንብረት የውርድዎ ንዝበሎ ዕንወት ብምቅዋም ምዃኑ ከምዝገለጸ፡
እቲ ሓይሊ ዕማም ትማሊ 22 ሓምለ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ኮሎኔል ኣሰግድ መኮነን፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ፋኖ ናይ ሓላፍነት ቅድድምን ምትፍናንን
ከምዝተፈጥሩን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኣካላት ንሓቀኛ ዕላማን ቃልስን ፋኖ ንናይ ባዕሎም ረብሓ ክብሉ
ከምዝጨወይዎን ምግላጹ ሓይሊ ዕማም ጸጥታን ድሕነትን ኣመልኪቱ።