ከም ኣካል ናይቲ ቱርኪ ኣብ ሱዳን ሰፊኑ ንዘሎ ዘሻቕል ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ተካዪዶ ዘላ
ጻዕሪ፡ 2,400 ቶን ሰብኣዊ ረዲኤት ዝጸዓነት መርከብ ናይታ ሃገር ሱዳን ከምዝኣተወት ተሓቢሩ።
እቲ ሓገዝ፡ 1,986 ቶን መግቢ፡ 160 ቶን መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን፡ 128 ቶን ክዳውንቲ፡ 90 ቶን
ናይ ንጽህና ፍርያትን 44 ቶን ኮቦርታን ዝተፈላለዩ ናይ መጽለሊ ነዋትን ከምዘጠቓልል፡ ቤት ጽሕፈት
ምሕደራ ህጹጽ ሓደጋ ቱርኪ ኣፍሊጡ።
እቲ ሓገዝ ብሰኑይ 22 ሓምለ ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ሱዳን ከምእተረከበ ድማ እቲ
ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
በመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብታ ብኲናት ሓድሕድ ትሕመስ ዘላ ሱዳን፡ ሰብኣዊ ጸገማት
ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናገደደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። እታ ሃገር ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ 20 ዓመታት፡
እቲ ዝኸፍአ ናይ ውሕስነት መግቢ ቅልውላው ተሕልፍ ከምዘላ ድማ’ዩ ዝግለጽ።