ተቓዋሚ ሰልፊ ኢዜማ ነቲ መንግስቲ ኣብ ናይ ወጻኢ ባጤራ ወሲድዎ ዘሎ ሓድሽ ውሳነ ተቓዊሙ!!

ብሚንስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዶር. ብርሃኑ ነጋ ዝምራሕ ሰልፊ ኢዜማ፡ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ልቓሕ ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብን ኣተሓሒዙ ኣተኣታትይዎ ዘሎ ሓድሽ ትመና ናይ ወጻኢ ባጤራ፡ ግዚኡ ዘይሓለወ ውሳኔ ኢሉ ብምቅዋም፡ ከቢድ ሳዕቤን ከም ዘኸትል ገሊጹ።

ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ሰኑይ 29 ሓምለ 2024 ናይ ወጻኢ ባጤራ ትመና ኣብ ባይታ ብዘሎ ዕዳጋ ክውስን ዝብል ሓድሽ ሕጊ ብዕሊ ድሕሪ ምእዋጁን፡ ነቲ ኣብ ባንክ 58.63 ክሽየጥ ዝጸንሐ ዶላር ኣሜሪካ፣ ብሓደ ላይቲ ናይ 17 ብር ወሰኽ ብምግባር ናብ 76.23 ብምድያቡን ናይ ብር ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብ30% ከም ዝጎደለ ይፍለጥ።

ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ከም ዝርከብ ዝንገረሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፣ ዝተፈላለየ ናይ ለቓሕን ገንዘባዊ ድጋፍን ኣማራጺታት ክደሊ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ ጊዜዚ ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ IMF፣ ናይ ዶላር መጠን ኣብ ባይታ ብዘሎ ዕዳጋ ክውሰን ዝብል ቅድመ-ኩነት ብምቕማጥ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዝቕጽል 4 ዓመታት ደረጃ ብደረጃ ዝፍጸም ናይ 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ከም ዘጽደቐ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ዘውጽኦ ዜናዊ ጸብጻብ ገሊጹ።

እዚ ብሰልፊ ኤዜማ ጀሚሩ ዘሎ ተቓውሞ ድሮ ብኻልኦት ሰልፍታትን ፖለቲከኛታትን ከምኡ’ውን ብዝተፈላለዩ ኣካላት ንግድን ክንቀፍ ጀሚሩ ምህላው ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ምንጭታት ይገልጹ።