ኣብ ከተማ መቐለ ዘመናዊ መቆጻጸሪ ካሜራታት ተተኺሉ

ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ነቲ ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ዘሎ ገበናትን ዘረፋን ንምቁጽጻር ዘመናውያን ካሜራታት ናይ ምትካል መስርሕ ከም ዝተኻየደ ኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢሩ።

ብመሰረት ካብ ትግራይ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ግዝያዊ ፕረስደንት ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ትማሊ ሮቡዕ 31 ሓምለ 2024 ነቲ ኣብታ ከተማ ኣበየ ቦትኡ ዝተተኽለ ንጸጥታዊ ኩነታት ዘገልግል ካሜራታት ከም ዝተዓዘቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እቲ ንጸጥታዊ ርግኣት እታ ኸተማ ንምግልጋል ተባሂሉ ዝተተኽለ ካሜራታት ካብ 200 ሜትሮ ክሳብ 1 ኪ/ሜ ዝሽፍን ርእየት ከም ዘለዎ ክሕበር ከሎ፡ መንግስታውያን ሓለፍቲ ከተማ መቐለ እዚ ተበግሶ ነቲ ኣብታ ኸተማ ዘሎ ንጥፈታት ገበን ንምምካት ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑ ገሊጾም።

ኣብ ክልል ትግራይ ጾታዊ ዓመጻት፡ ስርቂ፡ ዝተወደበ ዘረፋ፡ ንጾታ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕትን ገበናት ቅትለትን ከምኡ’ውን ተግባራት ጭውያን ብሰፊሑ ክዝውተር ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኣብ ቀረባ ጊዜ ንገበነኛታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው ሓደ ሓይሊ-ዕማም ከም ዘቖሙ ካብቲ ክልል ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ትግራይ ነቲ ንኽልተ ዓመት መመላእታ ተኻይዱ ብውዕል ፕሪቶርያ ደው ዝበለ ደማዊ ኲናት ተኸቲሉ ስርዓት ኣልቦነት ሰፊኑ ማእለያ ዘይብሉ ገበናት ክፍጸም ከም ዝጸንሐ ፖሊስ መቐለ ብኣሃዝ ዝተደገፈ ጸብጻብ ኣቕሪቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።