ኣብ ክልል ኣምሓራ 7 ሽሕ እሱራት ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከም ዘምለጡ ተገሊጹ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዉዕል ፕሪቶርያ ምጥሓሱ ስዒቡ ኣብ መዳይ ጸጥታን ሰላምን ዝጸንሐ ሃጓፋት መሊሱ ሕልኽልኽ ክብል ገይርዎ ከም ዘሎ፡ ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ቀዋሚ ክፍሊ ሕግን ምምሕዳርን እታ ክልል ክግለጽ ከሎ፡ ምስኡ ተታሓሒዙ ድማ ኣስታት 7 ሽሕ እሱራት ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣምሊጦም ክሃድሙ ከም ዝኸኣሉ ጸብጻብ ጋዜጣ ሪፖርተር የመልክት።

ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ኣብ መበል 3ይ ዓመትን 8ይ ስሩዕ ኣኼባን፡ ሓላፊ ቀዋሚ ክፍሊ ሕግን ምምሕዳርን እታ ክልል ዝዀኑ ዶ/ር ደሴ ጥላሁን ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዘሎ ሰፊሕ ክፍተት ጸጥታ፡ ካብቶም ካብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝሃደሙ እሱራት እቶም ተታሒዞም ዳግማይ ዝተኣስሩ ከም ዝውሕዱ ኣረዲኡ።

ኣብታ ክልል ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናበኣሰ ብሰንኪ ዝኸይድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር መሳርያታት፡ ናይ ምኽባር ጸጥታ መደባት ብዝተተለመሉ መገዲ ክዕወት ከም ዘይከኣለ’ዩ ዝሕበር።

እቲ ሓላፊ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝረኣይ ዘሎ ክፍተት ጸጥታ፡ ንመዓልታዊ ምቅስቓስ ህዝቢ ብሰፊሑ ገዲብዎ ከም ዝርከብ ወሲኹ ኣገንዚቡ።