እስራኤል፡ ንቀንዲ ኣዛዚ ሰራዊት ሓማስ ከም ዝቐንጸለቶ ገሊጻ
ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል፡ ንቀንዲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓማስ፡ መሓመድ ደይፍ ብዕለት 13 ሓምለ 2024፥ ኣብ ዞባ ቓዛ ኣብ ዘካየዶ ደብዳብ ነፈርቲ ውግእ ከም ዝቐንጸሎ ተሓቢሩ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እስራኤል ብእትወስዶ ዘላ ወትሃደራዊ ስጉምታትን ቅንጸላታትን፡ ወትሃደራውን ጸጥታውን ኲነታት ናይቲ ከባቢ ንሰማይ ከዕርጐ ከም ዝኽእል ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።
ትማሊ፡ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ከተማ ቴህራን፡ ኢራን፡ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ንኻልእ ላዕለዋይ መራሒ ሓማስ ከም ዝቐተለቶ ተሓቢሩ ነይሩ። ኢራን ብወገና ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሕነ ክትፈዲ ምዃና ፈኪራ ኣላ። እስራኤል ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ሂዝቦላህ ኣብ ሊባኖስ ከም ዝቐንጸለት እውን ተሓቢሩ ኣሎ።