ኣብ ናይጀርያ ብምኽንያት ክብደት ናብራን ከቢድ ቁጠባዊ ኩነታት እታ ሃገርን ህዝቢ ናብ ጎደናታት ወጺኡ ኣንጻር መንግስቲ ዝቐንዐ ተቓውሞታት የካይድ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ፖሊስ ናይጀርያ ዓሰርተታት ሰባት ከም ዝኣሰረን ነቲ ዝካየድ ዘሎ ኣድማ ንምብታን ድማ ዘንብዕ ጋዝ ከም ዝተጠቕመን ዘ ሱዳን ታይምስ ሓቢሩ።
ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ኣብ ኬንያ መንግስቲ ወሰኽ ግብሪ ምስ ገበረ ህዝቢ ሆ ኢሉ ናብ ጎደናታት ናይሮቢ ከም ዝወጸን፡ መንግስቲ ኬንያ ነቲ ሓድሽ እማመ ወሰኽ ግብሪ ክሳብ ስሒበዮ ዝብል እቲ ማዕበል ተቓውሞታት ከም ዝቐጸለን ይዝከር።
ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራት ዓለምን ናህሪ ዋጋታት ኣብ ዝውስኸሉን፡ መንግስቲ ሓላፍነቱ ከይተዋጽአ ኣብ ዝተርፈሉን፡ ህዝቢ ናብ ጎደናታት ወጺኡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጸቕጢ ብምግባር ነቲ ዝደልዮ ለውጢ ወይ ምምሕያሽ ከምጽእ እናተለምደን እናተዘውተረን ዝመጽእ ዘሎ ተርእዮ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ግና ንልዕሊ 30 ዓመታት ብዘይ ሕግን ቅዋምን ዝተቐመጠን ጸረ ሃገርን ህዝብን ዝኾነ ስርዓት እናሃለወ ክንሱ ዛጊት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጸቕጢ ንምፍጣርን ለውጢ ንምምጻእን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብህዝቢ ዝተወስደ ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ዘይምህላው ዘተሓሳስብ ከም ዝኾነ ንትካል ኤሪሳት ሓበሬታ ዝሃቡ ወገናት ገሊጾም።
ኣብ ኤርትራ ናህሪ ዋጋታት ብመጠን ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣዝዩ ተጋኒኑ ኣብ ዘለወሉ ሰዓት፡ ከም ማይን ኤለክትሪክን ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ነገራት ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ብርቂ እናኾኑ ኣብ ዝመጽሉ ዘለው ጊዜን፡ ህዝቢ ድምጹን ቅሬታኡን ከስምዓሉ ዝኽእል ዝኾነ ዓይነት ናይ ናጻ ፕረስን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዕድላት ኣብ ዘይብሉ ኩነታት፡ ብዓቢኡ ድማ መንእሰያት በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና መጻኢኦም እናጸልመተን፡ ዜጋታት ብዘይ ሕግን ፍርድን ንዓመታት ፍቖዶ ተሃድሶታትን መደበራትን ተዳጒኖም ስድራ ቤታት ተበታቲነን እናሃለዋ እቲ ትማሊ ተወዲቡ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ተቓሊሱ ዝተዓወተ ህዝቢ ኤርትራ ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ተጨቚኑ ክነብር ክትዕዘብ ከለኻ ዘሕዝን ምዃኑ እቶም ንትካል ኤሪሳት ዘዛራረቡ ወገናት ገሊጾም!!