ኣብ ወረዳ ካዎ ኮይሻ ቴፓ ቀበሌ ወላይታ ዞን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም መሬት ህይወት 13 ሰባት ከም ዝጠፍአ ናይቲ ዞባ ክፍሊ ህዝባዊ ርክባት ሓቢሩ።

እቲ ሓደጋ ምህማም መሬት ትማሊ ሰኑይ 6 ነሓሰ 2024 ከባቢ ሰዓት 11 ቅ.ቀ ኣብ ቴፓ ቀበሌ ከም ዘጋጠመን ዛጊት ናይ 13 ሰባት ሬሳ ከም ዝተረኽበን በቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ህይወት ኣድሕን መስርሕ ልዕሊ 300 ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ከም ዝተኣልዩን ተፈሊጡ ኣሎ። ይኹን’ምበር፡ ቁጽሪ ምውታት ክውስኽ ትጽቢት ከም ዝግበር ኣማሓዳሪ ናይቲ ከባቢ ኣቶ ህዝቅኤል ጎቶሮ ገሊጹ።

እዚ ሓደገኛ ምህማም መሬት ኣቐዲሙ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ኣጋጢሙ ምንባሩን በቲ ክስተት ንብረት ክዓኑ ከሎ ሓንቲ ጓል 11 ዓመት ቆልዓ ድማ በቲ ሓደጋ ከም ዝተቐትለት ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ሰሙናት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ደቡብ ኢትዮጵያ ሓደጋ ምህማም መሬት ብተደጋጋሚ ከጋጥም ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በቲ ኣብ ሓምለ 22 – 2024 ኣብ ጎፋ ዞን ዘጋጠመ ባህርያዊ ሓደጋ ህይወት 257 ሰባት ከም ዝጠፍአ ዝዝከር እዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ሓምለ 25 – 2024 ኣብ ካፋ ዞን ምምሕዳር ዴቻ ሓያል ዝናብ ብዘስዓቦ ሓደጋ ምህማም መሬት 3 ሰባት ክሞቱ ከለው ልዕሊ 24 ሰባት ከም ዝተመዛበሉ ክሕበር ከሎ፡ ቀጺሉ ድሕሪ 3 መዓልቲ ኣብ ሲዳማ ክልል ማእከላይ ዞን ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋ 11 ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት 6 ከም ዝቖሰሉን ይፍለጥ።