ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሰብኣዊ ጉዳያት ብዝገበሮ መርመራ፡ ናይ’ቲ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ሓይልታት ፈጣን ደገፍ ምልሻታት ኣብ ከተማ ካርቱም ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጻትን ግህሰትን ከም ዝፈጸሙ ተሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ ብትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ መርመራ፡ ኣባላት ሓይልታት ፈጣን ደገፍ ኣብ ከተማ ኻርቱም እናኾለሉ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ ደቀ ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጻት ከም ዝፈጸሙን ክሳብ ደቂ 9 ዓመት ዝኾና ትሕቲ ዕድመ ከም ዝተጋሰሱን ተገሊጹ።
በቲ ኣባላት ሓይልታት ፈጣን ደገፍ ኣብ ልዕሊ ቁጽሪ ዘይብለን ብዙሓት ደቀ ኣንስትዮ ዝፈጸምዎ ጎነጻዊ ጾታዊ ዓመጻት ሓያሎ ደቀ-ኣንስትዮ ህይወተን ከም ዝሓለፈ እቲ ብትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ጸብጻብ የረድእ። ኣብቲ ጸብጻብ ዋላ ደኣ ብውሑድ ቁጽሪ ይኹን እምበር ኣባላት ሰራዊት ሱዳን’ውን ዝተፈላለየ ጾታዊ ዓመጻት ከም ዝፈጸሙ ተመልኪቱ ኣሎ።
ድሕሪ እቲ ዝተገበረ መርመራዊ መጽናዕቲ፡ Human right Watch፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ንሲቪላውያን ሰባት ንምሕላው ህጹጽ ስጉምቲ ክወስዱ ተማሕጺኑ ኣሎ።