ኣብ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ካብ ምውካል ሓራ ንምውጻእ ንዶላር ተኪኡ ዘገልግል ዘቤታዊ ባጤራ ክልቲኤን ሃገራት ጥራይ ክጥቀማ፡ ብጀነራል ዓብደል ፋታሕ ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ምስ ሩስያ ይዛራረብ ከም ዘሎ ሱና ዝተባህለ ትካል ሓበሬታ ዝሓለፈ ቀዳም 17 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።

እዚ እማመ ዝቐረበ፡ ዝለዓለ ኣካል ሃገራዊ ባንክ ሩስያ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ማእከላይ ባንክ ሱዳን ተራኺቡ ብዛዕባ ምድንፋዕ ንግዳዊ ልውውጥ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተዘራረብሉ ኣጋጣሚ ከም ዝኾነ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ብመሰረት ሱና ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ሓለፍቲ ባንክታት ሩስያን ሱዳንን ዘካየድዎ ርክብ፡ ክልቲአን ሃገራት ብዛዕባ ኣብ ጽላታት ንግዲ ወርቅን ክቡር ሓጺንን ብሓባር ወፍሪ ዘካይዳሉ ተኽእሎታት ከም ዝተዘራረቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ ሩስያን ሱዳንን ዓመታዊ ካብ 400 ክሳብ 500 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ንግዳዊ ልውውጥ ከም ዘካይዳ ክሕበር ከሎ፡ መንግስቲ ሱዳን፡ ሩስያ ኣብ ጽላት ዕደና ወርቂ ሱዳን ወፍሪ ክትገብር ድሌት ከም ዘለዎ እዩ ዝግለጽ።

ብተወሳኺ ሓለፍቲ ሃገርዊ ባንክታት ሩስያን ሱዳንን፡ እቲ ዝካየድ ንግዳዊ ልውውጥ ኣሳልጦ ዘለዎ ንክኸውን ኣብ ክልቲአን ሃገራት ጨናፍር ክኸፍቱ ከም ዝተሰማምዑ ተሓቢሩ።

መራሒ መንግስቲ ሱዳን ጀነራል ዓብዱል ፋታሕ ኣልቡርሃን ዝሓለፈ ሚያዝያ፡ ሩስያ ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ክትተክልን ኣምሳያኡ ድማ ሩስያ ንሱዳን ኣድላይ ዝበሃል ቁጠባውን ወተሃደራዊን ሓገዝ ክትገብርን ከም ዝተሰማምዐ ይዝከር።