
ውድብ ህወሓት፣ ብመንግስቲ ፈደራልን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ተቐባልነት ዘይረኸበ መበል 14 ስሩዕ ጉባኤ የካይድ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሰለስተ ቀንዲ ተቓናቓንቲ ሰልፍታት ነቲ ብንጹር መሽሚሹ ኢለን ዝገለጽኦ ውድብ ህወሓትን ተግባራቱን ብምቅዋም፡ ኣብ ትግራይ ኵለን ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝካተታሉ ሓባራዊ መንግስቲ ክምስረት ዝጽውዕ እማመ ብዓርቢ 16 ነሓሰ, 2024 ከም ዘቕረባ ኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢሩ።
ሰልፊ ሳልሳይ ወያነ፡ ውድብ ናጽነት ትግራይ ከምኡ’ውን ባይቶና ኣብቲ ቅድሚ 3 መዓልታት ብሓባር ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ውድብ ህወሓት ኣብዚ ኣብ ክልል ትግራይ ከቢድ ፖለቲካውን ጸጥታውን ቁጠባውን ቅልውላው ኣጋጢምሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ንሰለስተ ዕቑድ ብዘይ ተቓጻጺ ንትግራይ ዝመርሐ ውድብ ህወሓት ሓቀኛ ምስሉ የንጻርቕ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ብሓይሊ ዓብላሊ ስልጣን ንምሓዝ ርእሰ ቕትለታዊ ስጉምትታት ይወስድ ኣሎ ክብሉ ከሲሶም።
ተቓወምቲ ሰልፍታት ትግራይ ኣብቲ ብሓባር ዘውጽእዎ መግለጺ፡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሽግር ኣብ ትግራይ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ስርዓት ዝወለዶ ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ንህዝቢ ትግራይ ብብቕዓት ንምምራሕ ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ጥራይ ዘይርምኮስ ሓባራዊ መንግስቲ ክቐውም ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ኣስሚሮም።
ሃገራዊ ቦርድ ኮሚሽን ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ንውድብ ህወሓት ከም ነባር ውድብ ዘይኮነ ከም ሓድሽ ሰልፊ ንኽምዝግቦ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣካላት ሓድሽ ክፍተት ከም ዝተፈጥረ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቲ ኮሚሽን ነቲ ውድብ ህወሓት ዘካይዶ ዘሎ ጉባኤ ይኹን ኣብቲ ጉባኤ ዝውሰን ውሳኔታት ኣፍልጦ ከም ዘይህቦ ከሎ ገና ከም ዝሓበረ ይዝከር።