ኣህጉራዊ መዓልቲ ግዱድ ምስዋር ደቂ ሰባት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ተዘኪራ
30 ነሓሰ ኣህጉራዊ መዓልቲ ግዳያት ግዱድ ምስዋር፡ ሎምዘመን እውን ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለምና ብዝተፈላለዩ ነቲ ንግዱድ ምስዋር ዜጋታት ዘንጸባርቑ
ትሕዝቶታት ተዘኪራ ከምዝወዓለት ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዝውሕዙ ዘለዉ ጸብጻባት ኣመልኪቶም።
ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብተን ዜጋታተን ብብዝሒ ብመሓውራት ጸጥታ መንግስቲ ዝስወሩለን ሃገራት ምዃና ዝፍለጥ’ዩ።
እዛ መዓልቲ’ዚኣ ነቶም መብዛሕትኡ ግዜ ብመሓውራት መንግስቲ ተሰዊሮም ድምጾም ዘይተሰምዐን ደሃዮም ዝጠፍአን ንምዝካር ዝተወፈየት መዓልቲ ብምዃና፡ ካብ
ኣባላት ስድራቤትኩም ብሓይልታት መሓውራት ህግደፍ ተጨውዮም ደሃይ ዘይብሎም ዝተረፉ፡ ክትዝክርዎምን ብዛዕብኦም ንማዕከናት ዜና ሓበሬታ ክትህቡን፡
ግዱሳት ኤርትራውያን ንመደበር ተለቪዥን ኤሪሳት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣዘኻኺሮም።