ጆናታን ሚላን ደጊሙ ዕዉት መድረኽ ኮይኑ
ንዕዉት ቀጠልያ ማልያ ዙር ፈረንሳ 2024 ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብንያም ግርማይ ሓቒፋ ናብቲ ኣብ ሃገራ ዝእንገድ
ዘሎ ዙር ረነዊ ዝኣተወት ቤልጁማዊት ክለብ ኢንተርማርሸ፡ ሎሚ ኣብ 3ይ መድረኽ’ውን ብቤልጁማዊ ተቐዳዳማያ
ጋርበን ቲሰን ኣብ ቮላታ ጸሚዳ 7ይ ተርታ ድማ ኣትሒዝዋ፡፡
ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ ዝኣተዎ መድረኽ ዕዉት ኮይኑ ዝወጽእ ዘሎ ኢጣልያዊ ተቐዳዳማይ ጆናታን ሚላን፡
ን2ይ ግዚኡ ብምዕዋት መሪሕነቱ ኣስፊሑ ኣሎ፡፡ ካልኣይ ኮይኑ ዝሰዓቦ ያስፐር ፍሊፕሰን ድማ ኣብ ድምር ነጥቢ ቀጠልያ
ማልያ’ውን ብ10 ነጥቢ ተበሊጹ ይስዕቦ ኣሎ፡፡
ምንጪ ኣማኒኤል ኣልኣዛር