መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ናብ ኤርትራ ዘካይዶ ዝጸንሐ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ካብ ጽባሕ ሰሉስ 03 መስከረም 2024 ኣትሒዙ ከምዘቋርጾ ብዕሊ ኣፍሊጡ።
እቲ መንገዲ ኣየር፡ሎሚ ሰኑይ ዕለት 02 መስከረም 2024፡ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢኡ ኣቢሉ፡ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ዘጋጥሞ ዘሎ መሰናኽላት ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ስለ ዝዀነ ብሃንደበት ከቋርጾ ከም ዝተቐሰበ ገሊጹ።
ኣብ ኤርትራ ስርዓት፡ቅድሚ ገለ ሳምንታት ኣቐዲሙ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዕለት 30 መስከረም 2024 ኣገልግሎት በረራታቱ ደው ከብል ምውሳኑ ዝፍለጥ’ዩ።
ብሰንኪ ዉሳነ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዙሕ መሰናኽላት ብኣግኡ ይስዕብ ከም ዘሎ ተገልገልቲ ይሕብሩ።
ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክሳዕ ዕለት 30 መስከረም በረራታቶም ክፍጽሙ ኣብ ምጽባይ ዝጸንሑ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቖም ከም ዝርከቡ ንኤሪሳት ዝሃብዎ ሓበሬታ የረድእ።
ብዙሓት ኤርትራውያን ብሰሪ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ምኽንያት ዝደረዀ ምስሕሓብ ትካላት ሲቪል ኣቪየሽንን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኣደዳ ክሳራታትን ዘይተደለየ ምድንጓያትን የጋጥሞም ምህላዉ ዳህሳስ ኤሪሳት የገንዝብ።