መደበር ሳተላይት ተለቪዥን ኤሪሳት ንሽልማት ሚ.ም.ዮ (MMY Award) ዝበቕዑ ሕጹያት ኣብ ምንዳይ ትርከብ
ብምህላዋ፣ ኩልኹም ኤርትራዉያንን ፈተዉቲ ኤርትራን ነዚ ሽልማት እዚ ይበቅዕ እዩ ዝብልክሞም ሰብ ክትረቚሑ ትጽዉዕ
ኣላ።
ሽልማት ም.ም.ዮ/MMY ንዝኽሪ ሓርበኛ ጋዜጠኛ ነፍስሄር ሚልክያስ ምሕረትኣብ ኣብ ግንቦት 2021 ዝተበጋገሰ፡
ነጻ ሚድያን ተባዕ ጋዜጠኝነትን ኤርትራ ንምሕያል ዝዓለመ ኣፍልጦ’ዩ።
ነዚ ሽልማት ዝርቋሕ መን’ዩ፧
ኣብ ምብርካት፣ ኣብ ምእካብን ምስናድን፣ ኣብ ምጽሓፍ፣ ከምኡ’ዉን ኣብ ምሕታምን ምኽፋልን ናይ ጽሑፍ፣ ድምጽን
ስእልን ሓበሬታታት ብነጻነትን ትብዓትን ዝነጥፉ/ፋ ጋዜጠኛታት፡ ጸሓፍትን ኣሕተምትን።ከም ኣብነት፣ ንድሕነቶም ኣብ ምሉእ
ሓደጋ አእትዮም ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብድፍረት ሰኒዶም ንዓለም ዘፍለጡ ዉልቀሰባት።
ዝረቛሕክምሞም ሕጹያት ብኸመይ ተፍልጡ፧
ብዛዕባ እቲ ረቚሕክሞ ዘለኹም ሰብን፡ በየናይ ምኽንያት ከምዝሓጸኽምዎን ዘረድእ ካብ 400 ቃላት ዘይበዝሕ ንኡስ
መግለጺ ምስ ገለ ደገፍቲ መርትዖታት ብመንገዲ
awards@erisat.org ወይ ድማ
ኣብዚ ጥብቆ https://forms.gle/X8D2apQSArprywHU7 ብምእታው
ነዚ ቅጥዒ ብምምላእ ክትሓጽዩ ትኽእሉ ኢኹም
ገደብ ግዜ፥
ካብ መስከረም 03 – ጥቅምቲ 03, 2024 ሕጹያትኩም እተፍልጥሉ
ኣብ ጥቅምቲ 2024 ድማ ዕዉት ዝንገረሉ
ሽልማት፥
ተዓዋቲ/ት ናይ ሽልማት ሚ.ም.ዮ (MMY Award) ምስክርነት ወረቐትን ገንዘባዊ ሽልማትን ይወሃቦ/ባ።