ህግደፍ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ደግፍቱ፡ ናይ ምእካብ፡ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽን ካልእን መሰላቶም ክሕሎ ዝጽወዕ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየደ ሬድዮ ኤረና ሓቢራ።

ኣብቲ ትማሊ 10 መስከረም ኣብ ከተማ በርን ዝተኻየደ ሰልፊ፡ “ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕጊ ስዊዘርላንድ ናይ ምዝራብን ምትእኽኻብን መሰልና ክሕለወልና ኣለዎ” ክብሉ ደገፍቲ ህግደፍ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ደገፍቲ ህግደፍ፡ ብስም ማሕበረኮም ኤርትራውያን፡ ንዓመታት ፌስቲቫላት ብምውዳብን ብስም ሃገራዊ በዓላት ጓይላታት ብምክያድን ዘኻዕብትዎ ገንዘብ፡ ብቐጥታ ናብ ካዝና እቲ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰስ ስርዓት ክኣቱ ምጽንሑ ይግለጽ።

እዚ ብኤምባስን ቤት ጽሕፈት ህግደፍን ብቐጥታ ብዝወሃብ መምርሒታት ዝውደብ ንጥፈታት ደገፍቲ ህግደፍ፡ ነቲ ካብ ፖለቲካ ይኹን ካልእ ጸግዒ ወይ ወገን ንዘይሓዛ ናጻ ማሕበራት ብመንግስቲ ስዊዘርላንድ ዝወሃብ ፋይናንሳውን ንዋታውን ሓገዝ’ውን ክኸስበሉ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ንጓይላታት ህግደፍ ብምቅዋም ብብርጌድ ንሓመዱ ዝተኻየደ ጎነጽ ዝተሓወሶ ምንቅስቓሳት፡ በዚ ኣብ ኤርትራ፡ ንባዕሉ መሰላት ዜጋታቱ ከምዘየኽብር ዝውቀስ ፖለቲካዊ ስርዓት ዝውደቡ ፌስቲቫላትን ጓይላታትን፡ መርመራታት ብምክያድ ከምዝእገዱ ኮይኖም።

ኣብ ከተማ ጀኔቫ ዝመደበሮም ኤምባሲ ኤርትራን ቤት ጽሕፈት ህግደፍን፡ ኣንጻር ውሳኔ ስዊዘርላንድ ተቓውሞ ክካየድ ጎስጓስ ክገብሩ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ’ዮም ደገፍቶም ብምትእኽኻብ ነቲ ናይ በርን ሰለማዊ ሰልፊ ወዲቦም።

ኣብቲ ደገፍቲ ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ከም 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ፡ መዓልቲ ሰማእታት: ባሕቲ መስከረም ዝኣመሰሉ ሃገራዊ በዓላት ንምጽንባል ክተኣኻኸቡን፡ ፌስቲቫላትን ጓይላታት ከካይዱን ክፍቀደሎም ‘ዮም ጠሊቦም።

ኣብቲ ዘካየድዎ ሰልፊ፡ “ቋንቋታትና፡ ባህልታትናን ክብርታትና ምዕቃብን ናብ ንኣሽቱ ወለዶና ምስግጋርን መሰልና ስለዝኾነ፡ ነዚ ንምትግባር ዘኽእል ሕጋዊ ውሕስነት ክወሃበና ኣለዎ’ ክብሉ ተማሕጺኖም።

ሓደ ካብቶም ንፈስቲቫላትን ጓይላታትን ህግደፍ ኣብ ጠመተ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ክኣቱ ዝደፋፍኡ ምኽንያታት፡ ንቆልዑ ወተሃደራዊ ክዳውንቲ ኣልቢስካን ናይ ሓሶት ብረት ኣዕጢቕካን ዝግበር ናይ ፕሮፖጋንዳ ዘመተ ዝሓቖፈ ምርኢታት’ዩ።