ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ምዕጻው ይቐርብ ከምዘሎ፡ ውሩይ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ዋሱ መሓመድ ንውሽጣዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ሓቢሩ።
ፈጻሚ ጉዳያት ናይቲ ኤምባሲ ኣቶ ቢንያም በርሀ ኣብ ወርሒ ሓምለ ብመንግስቲ ተጸዊዑ ናብ ኣስመራ ድሕሪ ምኻዱ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተመልሰ ዝገለጸ እቲ ጋዜጠኛ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኤምባሲ ብውሑዳት ሰራሕተኛታት ይምራሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት ናይቲ ኤምባሲ ድሕሪ ምኻድ ናይ ኣቶ ቢንያም ካብ ስራሕ ከምእተሰናበቱ፡ እቲ ብጻዕቂ ስራሕን ብዝሒ ተገልገልትን ዝልለ ዝነበረ ቀጽሪ ናይቲ ኤምባሲ ድማ በረውረው ኢሉ ከምዘሎ ዋሱ መሓመድ ኣነጺሩ ኣሎ።
ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ውዕል ፕሪቶርያ ድሕሪ ምፍርራሞም፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን እናሓርፈፈ ክመጽእ ከምዝጸንሐ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣስመራ ኣጋጢሙኒ ብሰንኪ ዝበሎ ናይ ኣሰራርሓ ጸገም፡ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኤርትራ ዝገብሮ በረራታት ደው ምባሉ፡ ሓደ መግለጺ ናይቲ እናተደወነ ክመጽእ ዝጸንሐ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ምዃኑ ዝገልጹ ወገናት እውን ኣለዉ።