ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር በድር ዓብዱልዓጢ ንዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ሪፓብሊክ ግብጺ፡ ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ደንደን ተቐቢሉ ከምዘዘራረበ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣቃሊሐን።

ኣብ’ዚ ኣካል ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ሰብ-መዚ ክልተአን ሃገራት ኣብ ኣስመራን ካይሮን ዝግበር ናይ ምምኽኻር ርክባት ዝዀነ ዘተ፡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባዊ ጉዳያት ብሓፈሻ፡ ምዕባለታት ሪፓብሊክ ሱዳን፡ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያን ጸጥታ ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ከኣ ብፍላይ ብዕምቈት ተዘራሪቦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ዶ/ር በድር ዓብዱልዓጢን ኣብ ርክቦም፡ ምሕያል ዝምድና ኤርትራን ግብጽን ካብ ቀንዲ ዓንድታት ሰላምን ርግኣትን ናይ’ዚ ዞባ ከምዝዀነ ብምግንዛብ፡ ኣብ ጽላታት ቊጠባ፡ ፖለቲካ፡ ንግድ፡ ሕርሻ፡ ጸዓትን ጥዕናን ዘሎ ምትሕግጋዝ ናብ ዝበረኸ ደረጃ ክብ ንምባል ኣብ ምርድዳእ በጺሖም።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ግብጺ ኣብ’ዚ ዞባ ዝዀነ ናይ ምትእትታው ኰነ ጸጥታ ናይ ምዝራግ ኣጀንዳ ከምዘይብላ፣ ብገለ ወገናት ዝወሃብ መግለጺታትን ዝቐርብ ክስታትን ድማ ንዝፈጸምዎ ስትራተጅያዊ ጌጋታት ንምሽፋን ዝዓለመ ስልበጣ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ካልእ ትርጉም ከምዘይብሉ ተገንዚቦም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሪፓብሊክ ግብጺ ዶ/ር በድር ዓብዱልዓጢ ንማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ታሪኽን ምዕባለታትን ናይ’ዚ ዞባ ዓሚቚን ውድዓውን ኣፍልጦ ስለዘለዎ፡ እቲ ርክብ ኣብ’ዚ ተሃዋሲ እዋን ምክያዱ፡ ኣዝዩ ጠቓሚን ሃናጽን ከምዝዀነ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ብወገን ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ ብወገን ግብጺ ድማ ብደረጃ ሚኒስተር ሓላፊ ሃገራዊ ጸጥታ ዓባስ ካምልን ኣምባሳደር’ታ ሃገር ኣብ ኤርትራ መሓመድ ሓትም ኣልዓጠዊን ተረኺቦም ነይሮም።