መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መሰል ናይቶም ሓይልታት መንግስቲ ብጭውያን ዓፈናን ወሲዶም ኣብ ዝተፈላለየ መዳጎኒ መዓስከራት ቀይዶምዎም ዝርከቡ ዜጋታት መሰል ከኽብር፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዳግም ሓቲቱ።
እቲ ኮሚሽን ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ካብ ቅድሚ ዓሚ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ብኣስገዳድ ዝተሰወሩ፡ ኣብ ዘይፍለጥ መዳጎኒ መዓስከራት ዝርከቡ፡ ንነዊሕ እዋን ዝተቐየዱ ሰባት ፍትሒ ክረኽቡን መሰሎም ክሕሎን ብተደጋጋሚ ክሓትት ምጽንሑ ኣፍሊጡ።
ይኹን’ምበር፡ ሕጂ’ውን ሰባት ብኣስገዳድ ተወሲዶም ይስወሩ ከምዘለዉን፡ ፈቐዶ መዳጎኒ መዓስከራት ኣብ ልዕሊኦም ግፍዒ ይፍጸም ከምዘሎን ዝገለጸ እቲ ኮሚሽን፡ ሰባት፡ ስቪል ብዝተኸድኑ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ተዓፊኖም፡ ቁጽሪ ሰሌዳ ብዘይብለን መካይንን ከምዝውሰዱ ኣረጋጊጹ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ካብ ማጆር ክሳብ ጀነራል ማዕርግ ዘለዎም ኣዘዝቲ ፖሊስን ሰራዊትን መንግስቲ፡ ካብ ዝሓዝዎም ወይ ዘትሓዝዎም ሰባት፡ ወይ’ውን ካብ ስድራ ቤታቶም ጉቦ እናሓተቱ፡ ነቶም ክኸፍሉ ዝኸኣሉ ከምዝፈትሕዎም ሓበሬታ ምርካቡ እውን ኣነጺሩ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ መግለጺ ናይቲ ኮሚሽን፡ ካብ ሓደ ክሳብ ትሽዓተ ኣዋርሕ ተኣሲሮም ዝነበሩ 44 ሰባት፡ ጉቦ ብምኽፋልን ካልእ ኣገባባትን ከምዝተፈትሑ ኣገንዚቡ።