ኣብ ኤርትራ ክዕለሙ ዝጸንሑ ሚሊሻ ምብራቕ ሱዳን፡ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ንምስላፍ ናብ ዞባ ከሰላ ከምዝተዋፈሩ ኣፍሊጦም።
እቶም ‘ኦርጣ’ ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጡ፡ ብጀነራል ኣል ኣሚን ዳውድ ማሕሙድ ዝምርሑ ሚሊሻ፡ ኣብ ሱዳን፡ ምብራቓዊ ቦጦሎኒ ብምቛም ንሰራዊት መንግስቲ ንምድጋፍ ከምዝተዋፈሩ፡ ንመግለጺኦም ብምጥቃስ ሬድዮ ኤረና ሓቢራ።
ምብራቓዊ ቦጦሎኒ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ክዕለሙ ዝጸንሑ ሚሊሻታት ምብራቕ ሱዳን ምዃኑ ይግለጽ።
እቲ ሓይሊ ሚሊሻ፡ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ጎድኒ ሰራዊት መንግስቲ ተሰሊፉ፡ እቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ሓይልታት ፈጣን ደገፍ ካብ ዘካይዶ መጥቃዕታት ንዞባኡ ክከላኸል ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ “ሰራዊት ሱዳን፡ ዓንዲ ሕቖ ሱዳን ብምዃኑ፡ ድጋፉን ዓወቱን ኣገዳሲ’ዩ” ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምዝገለጸ፡ ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ሱዳን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣልጀዚራ ኣብ ዘስፈሮ ዓንቀጽ ሓቢሩ።
እቶም ጋዜጠኛታት ብ28 ጥቅምቲ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝበጽሕሉ፡ እቲ ፕረዚደንት ዓዲ ሃሎ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝሃቦም ሓበሬታ፡ ኣዛዚ ሓይልታት ፈጣን ደገፍ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ፡ ቅድሚ ኵናት ናብ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ብዛዕብ ዘካየድዎ ምይይጥ ከምዘውክኣሎም እውን ጠቒሶም።
ኤርትራ፡ ንሱዳናውያን ንምሽምጋል ተበግሶ ዘይወሰደትሉ ምኽንያት፡ ጉዳይ ሱዳን፡ ብዙሓት ዝጓየይሉ ዘለዉ ናይ ዕዳጋ ምርኢት ወይ ባዛር ኮይኑ ስለዘሎ’ሞ፡ ነቲ ዞባ ናብ ሓደገኛ ኣንፈት ከምርሖ ስለዝኽእል ምዃኑ ድማ ኣሚቱ።
ሱዳን፣ ብሰንኪ ምትእታትው ናይ ግዳም ሓይልታት ናብ ታኼላ ከይትሽመም ዘተሓሳሰበ እቲ ፕረዚደንት፡ ብፍላይ ጸላእቲ ሱዳን ዝኾና ጎረባብቲ ሃገራት፡ ናይ ገዛእ ርእሰን ውሳኔታት ስለዘይብለን፡ ንሱዳን ግዳይ ዞባዊ ኣጀንዳ ከይገብርኣ ጥንቃቐ ከምዘድሊ ኣዘኻኺሩ።
ሱዳን፡ ማእከል ዞባዊ ርግኣት እቲ ዞባ ምዃና ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምጥቃሱ‘ውን እቶም ጋዜጠኛታት ኣብ ጽሑፎም ሓቢሮም።
“ሱዳናውያን ጉዳያቶም ባዕላቶም ክፈትሑ ዓቕሚ ኣለዎም” ዝበለ ፕረዚደንት ኤርትራ፡ ናይ ግዳም ምትእትታው ከምዘየድልዮም ኣስሚርሉ።