ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዞባ መቐለ፡ ብቕትለት ንዝተኸስሰ ውልቀ ሰብ ንሕልፈት ክእሰር ወሲኑ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዞባ መቐለ፡ ትማሊ 21 ሕዳር ኣብ ዝወዓለ መጋባእያኡ፡ ብቕትለት ንዝተኸስሰ ውልቀ ሰብ ንሕልፈት ክእሰር ከምዝወሰነ፡ ቲክቫህ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

ክሱስ  ቢንያም ገብረሚካኤል ንመዋቲት ኣጸደ ታፈረ ኣብ ከተማ መቐለ፡ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ከባቢ እንዳ ገብርኤል ሓኒቑ ብምቕታል፡ ኣብ’ቲ  ከባቢ ናብ ዝርከብ ጫካ ደርቢዩዋ ከምዝኸደ፡ ኣኽባር ሕጊ ዘቕረቦ መርትዖ ኣረጋጊጹ።

ነቲ ዝቐረበ መርትዖ መሰረት ብምግባር፡ ቢንያም ገብረሚካኤል ብዝፈጸሞ ገበን ግፍዓዊ ቅትለት፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዞባ መቐለ ገበነኛ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ፡ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ከምዝበየነሉ፡ ቲክቫህ ንቤት ጽሕፈት ፍትሒ ዞባ መቐለ ብምጥቃስ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ’ቲ ውሳነ፡ ገለ ወገናት፡ ንተጋዳሊት ኣጸደ ታፈረ ብግፍዒ ዝቐተለ ገበነኛ ቢንያም ገብረሚካኤል “ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ዘይኮነ፡ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ክውሰነሉ’ዩ ዝግባእ ነይሩ” ክብሉ፡ በቲ ብይን ከምዘይዓገቡ ምግላጾም፡ እቲ ጸብጻብ ኣረዲኡ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፡ ማእከላይ ቤት ፍርዲ ዞባ መቐለ፡ ንጉዳይ ናይታ ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት  ብግፍዒ ተቒቲላ ንኣዋርሕ ዓስከሬና ተሰዊሩ ዝነበረ’ሞ ጸኒሑ ዝተረኽበ መንእሰይ ማህሌት ተኽላይ ከምዝረኣየ እቲ ምንጪ ሓቢሩ።

ብቕትለት መንእሰይ ማህሌት ተኽላይ ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ተኸሰስቲ፡ ብ07 ሕዳር 2024 ብኣኽባር ሕጊ ንዝቐረበሎም ናይ መሰኻኽር መርትዖ ንኽከላኸሉ ንትማሊ 21 ሕዳር ቆጸራ ተዋሂቡ ምንባሩ፡ ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ዞባ መቐለ ኣፍሊጡ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዞባ መቐለ ትማሊ ኣብ ዝወዓሎ መጋበኣያ፡ ተኸሰስቲ  ንዝቐረበሎም መርትዖ ክከላኸሉ ብዘይምኽኣሎም፡ ውሳነ ንምሃብ ን02 ታሕሳስ 2024 ቆጸራ ከምዝሃበ  ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ናይቲ ዞባ ሓቢሩ ኣሎ።

ነተን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ከተማታት ውቕሮን መቐለን ብመቓርበን ዝተቐትላ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ብዝምልከት’ውን፡ ተጠርጠርቲ  ተታሒዞም እቲ ጉዳይ ብሕጊ ይጻረ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ትግራይ፡ ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት፡ ናይ ቅትለትን ከትርን ገበናት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ፡ ኤሪሳት ዘዘራረበቶም ነበርቲ ናይታ ክልል ሓቢሮም።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት’ውን፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ቅትለትን መጥቃዕትን ከም ቀደሙ ይቕጽል ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣብ ጸላም ኣዘንጊዕካ ዝግበር መውቃዕቲ ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ፡ ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ድማ፡ ሓሓሊፉ ብቐትሪ መጥቃዕታት ክፍጸሙ ምርኣይ እናተለምደ ከምዝመጸ፡ እቶም ነበርቲ ገሊጾም።

ሎሚ 22 ሕዳር፡ ከባቢ  ሰዓት 7 ንግሆ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት ትምህርቲ፡ ሓደ ተማሃራይ ንመምህሩ ኣብ ሓሙሽተ ቦታታት ብኻራ ብምውጋእ ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደሉ፡ ካብታ ከተማ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እቲ ተማሃራይ፡ ነቲ መምህር ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተጸብዩ፡ ኣብ ክልተ ቦታታት ናይ ኣፍልቡ፡ ኣብ ከብዱ፡ ኣብ ዝባኑን ኣብ ጎድኑን ከምዝወግኦ፡ እቲ ሓበሬታ ኣነጺሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ መምህር፡ ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ መጥባሕቲ ተገይርሉ ካብ ሞት እኳ እንተደሓነ፡ ኣብ ከቢድ ኲነት ከምዝርከብ፡ ዶክተር ፋሲጋ ዓምደስላሴ ካብ ሆስቲታል ዓይደር ሓቢሩ።

ዶክተር ፋሲጋ፡ “ብዙሓት ተማሃሮ ካራ ከምዝሕዙ ንሰምዕ ኣለና፣ ከም ሕብረተሰብ ገለ ንግበር!” ክብል መልእኽቱ ኣሕሊፉ ኣሎ።