ላዕለዎት ጀነራላትን ሰበስልጣንን ግብጺ፡ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምቛም፡ ኣብ ዓሰብ ዑደት ኣካይዶም

መንግስቲ ኤርትራ፡ ግብጺ ኣብ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ድሕሪ ዝሃቦ ፍቓድ፡ ላዕለዎት ጀነራላትን ሰበስልጣንን ግብጺ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ናብ ዓሰብ ዘይወግዓዊ ዑደት ከምዝገበሩ ሸገር ፕረስ ሓቢሩ።

እዚ ምዕባለ እዚ፡ ነቲ ብዓቢኡ ንዲጋ ተሃድሶ ኢትዮጵያ ማእከል ዝገበረ፡ ድሮ ሓርፊፉ ዘሎ ርክብ ኢትዮጵያን ግብጽን፡ ተወሳኺ ድፍኢት ከይውስኸሉ ተሰጊኡ ከምዘሎ፡ ማዕከን ሓበሬታ  ሸገር ፕረስ ኣፍሊጡ።

ግብጺ፡ እቲ ዲጋ ኣብ ዋሕዚ ማይ ፈለግ ኒል ክህልዎ ብዛዕባ ዝኽእል ጽልዋ፡ ስክፍታታታ ብምግላጽ ክትቃወሞ ጸኒሓ እያ። ኢትዮጵያ ብኣንጻሩ፡ ህንጸት ናይቲ ፕሮጀክት ንልምዓትን ዞባዊ ውሕስነት ጸዓትን ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምምልካት፡ ኣብ ብጽሒት ማይ ግብጺ ጸገም ከምዘይፈጥር ክትገልጽ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ኢትዮጵያን ግብጽን ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ማይ ፈለግ ኒል ዘለወን ዘይምርድዳእ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዝምድና እናሓርፈፈ፡ ስትራተጂካዊ ዝምድናኣ ምስ ግብጺ ድማ ብኣንጻሩ እናጕላዕልዐ ምምጽኡ፡ ንማያዊ ፖለቲካ ፈለግ ኒል ክሓላልኾ ምዃኑ ይግመት።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ናይ ቀረባ መሓዛ ኤርትራ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እዚ ስጉምቲ እዚ፡ ምስ ኤርትራ ናብ ወጥሪ ከእትዎ ከምዝኽእል፡ ብዙሓት ተንተንቲ ግምቶም ይገልጹ ኣለዉ።

ምምስራት ወተሃደራዊ መዓስከር ግብጺ ኣብ ዓሰብ፡ ኣብ ዞባዊ ዳይናሚክስ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ልዑል ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ዝሕብሩ ተንተንቲ ፖለቲካ ኢትዮጵያ፡ ሃገራት ኤርትራን ግብጽን ነዚ ዝምዕብል ዘሎ ሰፊሕ ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪ ብኸመይ ከምዝዋስኣሉ ንምግማቱ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ የመልክቱ።