መንገዲ ኣየር ታርኮ ናብ ኣስመራ ቀጥታዊ ንግዳዊ በረራታት ጀሚሩ

ኣብ ሱዳን ዝመደበሩ መንገዲ ኣየር ታርኮ፡ ምስ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ድሕሪ ዝገበሮ ንግዳዊ ስምምዕ፡ ካብን ናብን ኣስመራ–ፖርት ሱዳን ቀጥታዊ በረራታት ከምዝጀመረ ራድዮ ኤረና ኣብ ናይ ትማሊ ፈነውኡ ኣፍሊጡ።

ማእከላይ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ከተማ ካርቱም ዘቖመ ናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር ታርኮ፡ ብዘይካ ናብ ፖርት ሱዳን፣ ካብን ናብን ኣስመራ–ጁባ፣ ካምፓላን ሪያድን’ውን ቀጥታዊ በረራታት ሰሪዑ ከምዘሎ፡ ሬድዮ ኤረና ሓቢራ።

ዓሰርተ ሓደ ቦይኒንግ 737 ዝዓይነተን ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ዝውንን መንገዲ ኣየር ታርኮ፡ ኣብ 2009 ዝተበገሰ ኮይኑ፡ ንኣስመራ ሓዊስካ ናብ 15 ከተማታት ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ዱባይ፡ ስዑዲ ዓረብን ቐጠርን በረራታት ከምዘካይድ እታ ሬድዮ ኣረዲኣ።

ኣብ ሱዳን ዝመደበሩ፡ ባድር ዝተባህለ ካልእ ናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር’ውን ናብ ኣስመራ ስሩዕ ንግዳዊ በረራታት ንምክያድ መደብ ከምዘለዎ ይግለጽ።

መንገዲ ኣየር ባድር፡ ንሕጃን ዑምራን ናብ ስዑዲ ዓረብ ንዝገሹ ኤርትራውያን፡ ከከም ምርጭኦም ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ብምስኣኖም፡ ብኩንትራት ከበጻጽሖም ከምዝጸንሐ ይዝከር።

ድሕሪ ምቁራጽ በረራታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ፡ ካብን ናብን ኤርትራን ጎረባብቲ ሃገራትን፡ ከምኡ’ውን ናብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝጓዓዙ ገያሾ፡ ኣማራጺታት እናሰኣኑ ይመጹ ከምዘለዉ ይሕበር።

ናይ ገዛእ ርእሱ መንገዲ ኣየር ክውንን ዘይከኣለ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንወጻእተኛታትን ኤርትራውያን ኣውፈርቲን፡ ኣስመራ ዝመደበሩ ናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር ከየቝሙ ብዙሕ ናይ ፖሊሲታት መሰናኽል ከምዝገብር ይውቀስ።