ቃለ መጠይቕ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣምባሳደር ዮውሃንስ ንዘምለቖ ዘረባ ንምብርዓን ዝዓለመ ምንባሩ ተገሊጹ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብቐዳም 30 ሕዳር 2024 ዘካየዶ፡ ኣብ ህሉው ዓለማውን ዞባውን ኩነታትን ዘቤታዊ ጉዳያትን ዘተኰረ ቃለ-መጠይቕ፡ ነቲ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል ዘምለቖ ዘረባ ንምብርዓን ዝዓለመ ናይ ተብተብ ድራማ ምንባሩ ኣቶ ኤርሚያስ ለገሰ ዝተባህለ ተንታኒ ፖለቲካ ገሊጹ።
ኣቶ ኤርምያስ፡ ኢሳይያስ ኣብ ቃለ-መጠይቑ፡ ምስ መልእኽቲ ናይቲ ኣምባሳደር ዝጻረር ሓበሬታ ብምቕራብ፡ ነቲ ንቃለ መጠይቕ ኣምባሳደር ዮሃንስ ሰሚዑ ዝቐነየ ተኻታታሊ ፖለቲካ ኤርትራ፡ ብዝሰምዖ ከምዝጠራጠርን ድንግርግር ከምዝብሎን ንምግባር ዝተኻየደ ህውተታ ምንባሩ ኣረዲኡ።
ኣቶ ኤርምያስ፡ ኢሳያይስ ናይ ልዕሊ 50 ዓመታት ልምዲ ዘለዎ ናይ ተንኮል ፖለቲከኛ ብምዃኑ፡ ናይ ውዲትን ብልሕን ኣምራት ከምዝኽተል ኣጕሊሑ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብር ተስፎም ዝተባህለ ኤርትራዊ ፖለቲከኛ ብግዲኡ፡ ኢሳያይስ ነታ ኣምባሳደር ዮውሃንስ ዝገበራ ቃለ-መሕተት ንምጥፍፋእን ንምሽፍፋንን ሃንደበታዊ ቃለ መጠይቕ ክገብር ከምዝተገደደ ገሊጹ።
ቃለ መጠይቕ ናይቲ ኣምባሳደር ብዘይ ኣፍልጦን ፍቓድን ህግደፍ ክግበር ከምዘይክእል ዝጠቐሱ እቶም ተንተንቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ወኪል ኤርትራ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተጸዊዑ መብርሂ ንኸይህብ፡ ነታ ቃለ መሕተት ቀልጢፎም ካብቲ ሚድያ ከምዝኣለይዋ ኣነጺሮም።
ኢሳይያስ፡ ንነዊሕ ኣብ ፖለቲካን ስልጣንን ከም ዝጸንሐ ሰብ መጠን፡ ናይ ውዲት ፖለቲካን ፕሮፓጋንዳን ኣብ ምፍብራኽ ምኩር ብምዃኑ፡ ነቲ ምስ ብልጽግና ዘለዎ ወጥሪ መሊሱ ከየዕርጎ ስለዝሰግአ፡ ጠንቂ ኩሉ ውድቀታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ምስ ሕገ መንግስትን ወያነን ከተሓሕዞ ከምዝፈተነ፡ እቶም ተንተንቲ ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።
ኣምባሳደር ዩውሃንስ ብዘይተለመደ ኩነት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ምስ ዝውንኖ “ኤርትራ ኤምባሲ ሚድያ” ዝተባህለ ቻነል ዩቱብ ብቛንቋ ትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዝምድና ምሕርፋፉን ከም’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ከምዘየለን ጠቒሱ፡ “ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣራት ኪሎ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ኣቢይ ኣሕመድ ብዝፈጥሮም ዘሎ ጸገማት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክህሉ ዝነበሮ ዝምድና፡ ቀቲሉ ቀቢርዎ እዩ” ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።