ኣብ ሱዳን፡ 146 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለው ተገሊጹ
ንኣስታት 19 ኣዋርሕ ኣብ ሓድሕድ ኲናት ተሸሚማ ኣብ ዘላ ሱዳን፡ ልዕሊ 146 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቚቦም ከምዘለው፡ ናይ ወርሒ መስከረም ጸብጻብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ።
ብሓፈሻ ኣብ ሱዳን ልዕሊ 874,493 ስደተኛታት ከምዘለውን ካብዚኣቶም እቶም 16.8 ሚእታዊት ኤርትራውያን ምዃኖምን እቲ ጸብጻብ ኣነጺሩ።
ካብቶም ኣብ ሱዳን ዘለው ሓተትቲ ዑቕባ ኤርትራውያን፡ ልዕሊ 88 ሚእታዊት ኣብ መዓስከራት፡ ዝተረፉ ድማ ኣብ ከተማታት ከምዝቕመጡ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኣብ መዓስከር ሸገራብ ጥራይ ኣስታት 54 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝርከቡ ድማ ጠቒሱ።
ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ብተወሳኺ፡ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዞባ ከሰላ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታት ብድምር ልዕሊ 116 ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቚቦም ከምዘለዉ ገሊጹ።
እቲ ኣብ መንጎ ሱዳናውያን ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ኣዝዩ እናተጋደደ ደኣ ይምጻእ እምበር፡ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሱዳን ደው ከምዘይበለ ይፍለጥ።
ኣብ 2024፡ ብዝሒ ናብ ሱዳን ዝኣተው ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ኤርትራውያን ኣስታት 6’800 ክኸውን ከሎ፡ ኣብ 2018 ግን እቲ ዋሕዚ ልዕሊ 49 ሽሕ ምንባሩ ሰነዳት ሕቡራት ሃገራት የረድእ።