ትካል ምዕቃን ደረጃ ክፉትነት ቪዛ ሃገራት ኣፍሪቃ ብ3 ታሕሳስ 2024 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኤርትራ ብኽፉትነት ቪዛ፡ ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ መበል 51 ደረጃ ከምዝተሰርዐት፡ ቢቢሲ ትግርኛ ኣቃሊሑ።
በቲ መዐቀኒ፡ ቤኒን፡ ጋምብያ፡ ሩዋንዳን ሲሸልስን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ክስርዓ ከለዋ፡ ሱዳንን ኤርትራን ድማ ኣብ ድሕሪት ተሪፈን ኣለዋ።
ኣፍሪቃውያን ናብተን ኣብ ቅድሚት ተሰሪዐን ዘለዋ ሃገራት በኒን፡ ጋምብያ፡ ሩዋንዳን ሲሸልስን ንምእታው ቪዛ ከምዘየድልዮም ዘመልከተ ጸብጻብ ቢቢሲ፡ ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ሱዳን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ተሰሪዓ ከምዘላ ሓቢሩ። ኤርትራ ድማ ንሊብያን ኢኳቶርያል ጊኒን ጥራይ ቀዲማ ኣብ መበል 51 ደረጃ ተሰሪዓ ከም እትርከብ ኣመልኪቱ። ኤርትራ፡ ብመንጽር ናብታ ሃገር ዝገሹ በጻሕቲ ዝሕተት ረቛሒታት ቪዛ፡ ካብተን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዝምደባ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃና ዘነጸረ እቲ ጸብጻብ፡ ናብ ኤርትራ መእተዊ ቪዛ ንምርካብ ኣመና ኣሸጋሪን ሕልኽላኻት ዝመልኦን ምዃኑ ኣጕሊሑ።
መዐቀኒ ክፉትነት ቪዛ ኣፍሪቃ፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝድገፍን ብባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ዝካየድን ኰይኑ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ብመንጽር ፖሊሲ ቪዛአን ደረጃ ተበጻሕነተን ዘመልክት ትካል እዩ። ኣብታ ኣህጉር ዘሎ ነጻነት ምንቅስቓስ ካብን ናብን ኣፍሪቃውያን፡ ዞባዊ ውህደትን ሽርክነትን ንምፍጣር መሰረታዊ እዩ ንዝብል ዕላማኡ ንምርግጋጽ ድማ፡ ንጉዳይ ክፉትነት እዘን ሃገራት ይምርምር።
እቲ ትካል ብ03 ታሕሳስ 2024 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዓመተ 2024 ብሓፈሻ ኣገዳሲ ለውጢ ከምዝተራእየ ብምምልካት፡ ካብ 54 ሃገራት እተን 17 ምምሕያሽ ከምዘርኣያ፡ 29 ሃገራት ግን ነጥበን ከምዘይተቐየረን 8 ሃገራት ድማ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዘለዋን ርኽበቱ የረጋግጽ።
ኤርትራ፡ ብሰንኪ እትኽተሎ ፖሊሲታትን ንበጻሕቲ ዝሕተት ረቛሒታት ቪዛን፡ ብዙሓት በጻሕቲ ዓዲ ክበጽሕዋ ኣይረአን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብሰንኪ ናይ መንግስቲ ፖሊሲታት፡ ተደራራቢ ኲናት፡ ትሑት ትሕተ ቅርጽን ተነጽሎን ካብ ቱሪዝም ክትረኽቦ ትኽእል ዝነበረት ረብሓታት ከምዝኸሰረቶ ይግለጽ።