ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕን ግብጻዊ መዘንኡ በድር ዓብደላጢን፡ ትማሊ 05 ታሕሳስ ብቴለፎን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል ዝገብርዎ ዘይንቕነቕ ደገፍ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ኣገዳስነት ጸጥታን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይስገር ምዃኑ ምርድዳኦም፡ መርበብ ዜና ኣሕራም ኣብ ናይ ትማሊ 5 ታሕሳስ ዜናኡ ሓቢሩ።
ክልቲኦም ዲፕሎማሰኛታት፡ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ንግዳዊን ዓውድታት ክልተኣዊ ምትሕብባር ንምሕያል እውን ዘትዮም። እቲ ናይ ቴለፎን ርክብ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማልን ዝካየድ ዘሎ ስሉሳዊ ምትእስሳር መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት’ውን ዘተኮረ ምንባሩ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዝወጸ መግለጺ የመልክት።
ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ግብጽን፡ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝኾነ ይኹን ናይ ወጻኢ ኢድ ኣእታውነት ንምንጻግ ዘለወን ሓባራዊ መርገጺ ብምንጻር፡ ንሶማል ዝገብራኦ ሓገዝ ቀጻሊ ክኸውን ተረዳዲአን።