ተቓወምቲ ሓይልታት ሶርያ ንከተማ ደማስቆ ተቘጻጺሮማ

ብልፍንታዊ ተቓዋሚ ሓይሊ ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም ዝምራሕ ተቓዋሚ ሓይሊ ሶርያ፡ ሎሚ ወጋሕታ 8 ታሕሳስ ንርእሰ ከተማ ሶርያ፡ ደማስቆ፡ ከም ዝተቘጻጸራ፡ መራሒ’ቲ ውድብ ኣብ ናይ ኢንስታግራም ገጹ ከም ዘስፈረ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሎሚ ጸብጺቡ ኣሎ።

ካብ ኣቦኡ ሓፊዝ ኣል ኣሳድ ስልጣን ተቐቢሉ ን24 ዓመታት ነታ ሃገር ጨፍሊቑ ክመርሕ ዝጸንሐ ባሻር ኣል-ኣሳድ፡ ብፍልይቲ ነፋሪት ብማዕርፎ ነፈርቲ ደማስቆ ኣቢሉ ከም ዝሃደመ እቲ ማዕከን ዜና ንላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ መንግስቲ ብምጥቃስ ሓቢሩ። ድሕሪ ምምላጥ ናይቲ መራሒ፡ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝነበሩ ሓይልታት ጸጥታ ተበቲኖም ነናብ ገዝኦም ክኸዱ ከም ዝተሓበሮም ተፈሊጡ ኣሎ። እንተዀነ፡ እቲ መራሒ ናበየነይቲ ሃገር ከም ዝሃደመ ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ድሕሪ’ዚ ታሪኻዊ ፍጻሜ፡ ህዝቢ ከተማ ደማስቆ፡ ስእልታት ኣሳድ እንዳቐንጠጠ፡ ናብ ጐደናታት ወጺኡ ሓጐሱ ይገልጽ ከም ዘሎ ካብቲ ቦታ ዝወጽእ ዘሎ ተንቀሳቓሲ ስእልታት የመልክት። ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ እሱራት እዋን ካብ’ተን ብጽኑዕነተን ኣብ መላእ ዓለም ዝፍለጣ ኣብያተ-ማእሰርቲ ሶርያ ተፈቲሖም ኣካል’ቲ ጽምብል ህዝቢ ኰይኖም ምህላዎም ይግለጽ ኣሎ።

ንዓመታት ክወዳደቡ ዝጸንሑ ልፍንቲ ተቓወምቲ ውድባት ሶርያ ነዚ ዉሁድን በርቃውን መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምሩ ድሕሪ 10 መዓልታት ጥራይ እዮም ነታ ሃገር ንምቁጽጻር በቒዖም ዘሎዉ።