ካብ ቱርኪ ክስጐጉ ተቐሪቦም ኣብ ልዕሊ ዘለው 300 ኤርትራውያን፡ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ከምዘሎ ተገሊጹ
መንግስቲ ቱርኪ፡ ብዘይ ድልየቶም ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ንምስጓግ ሒዝዎም ኣብ ልዕሊ ዘሎ 300 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ከምዘሎ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ትማሊ 16 ታሕሳስ ንዘውጽኦ ጸብጻብ ብምጥቃስ፡ ኤስ.ሲ. ኤፍ ዝተባህለ መርበብ ዜና ሽወደን ሓቢሩ።
ሰለስተ ፍሉያት ራፖርተራት ሕቡራት ሃገራት፡ ብ16 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ዘቕረብዎ ሓባራዊ ደብዳበ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ምእሳርን ብሓይሊ ምምላስን ኤርትራውያን ስደተኛታትን፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ’ቲ ኣስታት 50 ኤርትራውያን ዝሓቖፈ ተወሳኺ ጉጅለ ብሓይሊ ንምምላስ ዝወጸ ሓደገኛ መደብን ንመንግስቲ ቱርኪ ምሕታቶም ዝዝከር’ዩ።
እቶም ጸብጻባት፡ እቶም ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም፡ ከቢድ ጸገም ከጋጥሞም ከምዝኽእል ብምምልካት፡ ስጉምቲ ቱርኪ፡ ነቲ ምምላስ ስደተኛታት ዝኽልክል መሰረታዊ መትከል ኣህጉራዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላትን ስደተኛታትን ዝጥሕስ ምዃኑ ከሲሶም ነይሮም።
እቲ መትከል፡ ኣብ ኣህጉራዊ ሕግን፡ ኣብቲ ቱርኪ ኣብ 1988 ዘጽደቐቶ ንውልቀሰባት ናብ ሰብኣዊ መሰላት ዝግህሳ ሃገራት ምጥራዝ ዝኽልኽል ውዕል ኣንጻር ስቅያትን ተዘርዚሩ ይርከብ።
ኣብ ኤርትራ ብዙሓት ሰባት ተኣሲሮም ይሳቐዩ ከምዘለዉን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከምዝርከብን ዝገለጹ እቶም ጸብጻባት፡ ብዙሓት ካብ ካልኦት ሃገራት ዝተሰጕጉ ኤርትራውያን ተኣሲሮም ወይ ናብ ግዱድ ዕስክርና ኣትዮም ከምዘለዉ ኣፍሊጦም። ቅድሚ ሕጂ ዝተሰጕጉ ኤርትራውያን፡ ከቢድ ስቅያት ከምዝወረዶምን ደሃዮም ከምዝጠፍአን ድማ ዘኪሮም።
ወተሃደራዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ዜጋታት’ታ ሃገር ንምሉእ ዕድሚኦም ብኣስገዳድ ብምዕስካር፡ ብጾታዊ ዓመጽን ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ዝፍለጥ ስርዓት እዩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኩነታት ናይቲ ኣብዚ እዋን’ዚ 50 ኤርትራውያን ስደተኛታት ተኣሲሮምሉ ዘለዉ ማእከል ጥረዛ ቱርኪ፡ ኮኒንዎ ኣሎ።
እቲ ደብዳበ፡ እሱራት ብሓለውቲ ከምዝግረፉ፡ ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ዋዒ ኣብ ሸላታት ናይ ሓጺን ኮንተይነራትን ተኣሲሮም ከምዘለዉን ሕክምናዊ ክንክን ከምዝተኸልከሉን ሓቢሩ። ምስ ስድርኦም ዝኾነ ይኹን ርክብ ከምዘይብሎም ድማ ኣፍሊጡ።
ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት፡ ቱርኪ ናብ ኤርትራ ዝግበር ጥረዛ ብቕልጡፍ ደው ከተብሎ፡ ኩነታት ናይቶም ተኣሲሮም ዘለው ስደተኛታት ከተመሓይሽን ብዛዕባ ሕቶታት ዑቕባ ዳግም ገምጋማት ክትገብርን ኣተሓሳሲቦም።
ቱርኪ። ካብ ኢራን፡ ሶርያ፡ ኣፍጋኒስታንን ካልኦት ሃገራትን ዝመጹ ብዙሓት ሓተቲ ዑቕባ፡ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብዘይ ድሌቶም ነናብ ሃገሮም ዝጠረዘት ሃገር እያ።