መንእሰያት ትግራይ ብሰንኪ ሽቕለት ኣልቦነት ብሓደገኛ መስመራት ናብ ስደት የምርሑ ከምዘለዉ ተገሊጹ
መንእሰያት ትግራይ ብሰንኪ ሽቕለት ኣልቦነት ብሓደገኛ መስመራት ናብ ስደት የምርሑ ከምዘለዉ፡ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት ናይቲ ክልል ኣፍሊጡ።
ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ውግእ ንዝወለዶ ቁጠባዊ ዕንወት ስዒቡ፡ ወርሓዊ ኣስታት 32 ሽሕ መንእሰያት ካብ ትግራይ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ይስደዱ ከምዘለው፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት ትግራይ ኣይተ ሓይሽ ሱባጋድስ ገሊጹ።
ኣብ ቀረባ እዋን ብማሕበር መንእሰያት ትግራይ ዝተገበረ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ መንእሰያት ናይቲ ክልል 81% ሽቕለት ኣልቦነት ኣጋጢሙ ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ፡ ብዙሓት ተጋሩ መንእሰያት፡ ካብቲ ዘለዉዎ ዘሻቕል ቁጠባዊ ኩነታት ንምውጻእ፡ ናብ ወጻኢ ሃገራትን ንምኻድ፡ ሓደገኛ መስመራት ይኽተሉ ኣለዉ።
ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት፡ ብኣስገርቲ ሰባት ምዝመዛን ስቅያትን ይገጥሞም ከምዘሎን፡ ብፍላይ ኣብ ሊብያ፡ ዘስካሕክሕ ግፍዕን ግህሰት መሰልን ይወርዶም ከምዘሎ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣገንዚባ።
ወዲ 29 ዓመት ኣሌክሳንደር ኪዱን ወዲ 28 ዓመት ማዓርግ ኣብርሃን ካብ መንጎ’ቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንስደት ዝወጹ መንእሰያት ትግራይ ኮይኖም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሊብያ ብነጋዶ ደቂ ሰብ ተታሒዞም ይሳቐዩ ከምዘለዉ፡ ንስድራ ቤታቶም ብምጥቃስ፡ እታ ቴሌቪዥን ኣቃሊሓ።
ወላዲት ኣሌክሳንደር ወይዘሮ ለተገርጊስ ሚካኤል፡ እቶም ንወዳ ጂሆ ሒዞምዎ ዘለዉ ጨወይቲ፡ 1.3 ሚልዮን ብር ጸለቕ ክወሃቦም ከምዝሓተትዋን፡ ውላዳ ብዘስካሕክሕ መንገዲ ከምዝተሃርመ ዘርኢ ቪድዮታት ከምዝበጽሓን ገሊጻ። ስድራ መንእሰይ ማኣረግ ተኸስተ’ውን በቶም ኣሰጋገርቲ ተመሳሳሊ መጠን ገንዘብ ከምዝተሓቱን ሰብኣውነት ዝጎደሎ ኣተሓሕዛ ማዓርግ ዝገልጽ ቪድዮታት ከምዝበጽሖምን ሓቢሮም።
ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት (IOM) ኣቐዲሙ፡ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ንዘጋጥሞም ሓደገኛ ኩነታት ብዝምልከት፡ ኣብ ትሕቲ ዳይረክቶሬት ምቅላስ ዘይሕጋዊ ስደት (DCIM) ኣብ ዝርከቡ መሳለጥያታት ማእሰርርትን ካልእ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ይወርዶም ከምዘሎ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።
ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት ትግራይ፡ ዕድል ስራሕ ብምፍጣርን ቁጠባዊ ኩነታት ብምምሕያሽን፡ ኣብ’ቲ ክልል ንዝረአ ዘሎ ሓደገኛ ፍልሰት መንእሰያት ናብ ስደት ንምግታእ ቅልጡፍ ምትእትታው ክግበር ጸዊዑ ኣሎ።