ኣብ ሰሜን ጎንደር ተኣሲሮም ዘለዉ ሓሙሽተ ኤርትራውያን፡ ንኽፍትሑ፡ ስድራቤታቶም ፍርቂ ሚልዮን ብር ተሓቲቶም
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሰሜን ጎንደር ካብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ተወሲዶም ተኣሲሮም ዘለዉ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ንኽፍትሑ፡ ስድራቤታቶም ፍርቂ ሚልዮን ብር ክኸፍሉ ከምዝተሓተቱ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ ሓቢራ።
ስድራ ቤታት ናይቶም እሱራት፡ መንነቶም ዘይተፈልጠ ውልቀሰባት ብቴለፎን ከምዝተራኸቡዎምን፡ ንሓደ እሱር ክሳብ 100 ሽሕ ብር ኢትዮጵያ፡ ብድምር ፍርቂ ሚልዮን ብር ከምዝጠልቡን ገሊጾም። ቁጽሪ ተሌፎን ናይቶም ደወልቲ ንፖሊስ ከምዘፍለጠ ሓደ ኣባል ስድራቤት ሓቢሩ።
ዋላ እኳ መርመራታት ይካየዱ ከምዘለዉ ይዝረብ እንተሎ፡ ብዛዕባ እቲ ማእሰርቲ ብዝምልከት ዝኾነ ወግዓዊ መልሲ ግን ዛጊት ኣይተዋህበን።
ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ካብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ዝተወስዱ ስደተኛታት፡ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ተኣሲሮም ይርከቡ። ንሳቶም፡ ፈለማ ኣብ ዳባት ከምዝተኣስሩ፡ ጸኒሖም ግን ናብ ከተማ ደባርቕ ከም ዝተሰጋገሩ እዩ ዝግለጽ።
ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኩነታት ከምዝፈልጦ ብምርግጋጽብ፡ እቶም እሱራት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ጸቕጢ ይገብር ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ሰበ-ስልጣን ናይቲ ከባቢ፡ ቅድሚ ሕጂ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ቁጽሮም ኣቃሊልካ ዘይረአ ዜጋታት ወጻኢ ንሃገራዊ ረብሓን ድሕነትን ኢትዮጵያ ኣብ ዝጎድእ ንጥፈታት ተዋፊሮም፡ ከቢድን ዝተወደበን ስግረ-ዶባዊ ገበናት ከምዝፈጸሙ ይገልጹ። እንተኾነ ስድራ ቤታት ናይቶም ዝተኣስሩ ወገናት፡ እቶም ኤርትራውያን፡ ስደተኛታት እምበር ገበነኛታት ከምዘይነበሩ እዮም ዝምጉቱ።
እቲ ጉዳይ፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር፡ ኣብ ዙርያ መሰላትን ጸጥታን ስደተኛታት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስእነት ውሕስነትን ድሕነትን ዘጉልሕ ምዃኑ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ስክፍትኦም ይገልጹ ኣለዉ።