ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኬንያ ዝተፈትሑ 346 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም
ኣብ ኬንያ ተኣሲሮም ዝነበሩ 346 ኢትዮጵያውያን፡ ብመስመር ሞያሌ ብሰላም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተመለሱ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ትማሊ 15 ጥሪ 2025 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቶም ኢትዮጵያውያን፡ ብዘይ ሕጋዊ ሰነዳት ናብ ኬንያ ብምስጋር፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከብጽሑዎም ቃል ብዝኣተውሎም ነጋዶ ደቂ ሰባት ተታሒዞም ከምዝተኣሰሩ፡ እቲ ኤምባሲ ኣመልኪቱ።
ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብምብጻሕ ዜግነቶም ድሕሪ ምርግጋጹ፡ መስርሕ ፍርዲ ብምቅልጣፍ ንኽፍትሑ ከምዝጸዓረ ሓቢሩ።
ሰበ-ስልጣን ኬንያ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰባት እናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ብዝሒ ናይቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን የተሓሳስቦም ከምዘሎ ገሊጾም።
ክልቲአን ሃገራት ነዞም ገበናዊ መርበባት ንምምካትን ንዝተቓልዑ ስደተኛታት ንምክልኻልን ሓበራዊ ጻዕሪ ከሐዪላ ምዃነን ኣፍሊጠን ኣለዋ።