ሰለስተ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ትግራይ ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ወተሃደራዊ መራሕቲ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኢዶም ምእታዎም ከምዝኹንዎ ብምግላጽ፡ እቶም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ደገፍ መንግስቲ ኤርትራ ከምዘለዎም ከሲሶም።
ዓረና ትግራይ፡ ውድብ ናጽነት ትግራይን ባይቶናን ኣብ መግለጺኦም፡ መግለጺ ናይቶም ውሱናት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ስልጣን ናይ ምቁጽጻር ወይ’ውን ስልጣን ንዝደሊ ሓይሊ ስልጣን ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ምንቅስቓስ ምዃኑ ብምምልካት፡ ተቓውምኦም ኣነጺሮም ኣለዉ።
ሰልፊ ሳልሳይ ወያነ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዘውጽኦ በይናዊ መግለጺ፡ እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ሓደ ፖለቲካዊ ጉጅለ ብምውጋን፡ ስልጣን ግዜያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ንምምንጣል ከምዝፈተኑ ብምግላጽ፡ ነቲ ምንቅስቓስ ብትሪ ኮኒንዎ ኣሎ።
ከም መልሲ ናይዚ፡ ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ኮሎኔል ገብረ ገብረጻድቃን፡ “ኩነታት ጸጥታ ትግራይ፡ ካብ ህዝቢ ትግራይን ሓይልታት ጸጥታን ዝሓልፍ ኣይኮነን” ብምባል ነቲ ክሲ ነጺግዎ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ሚኒስተር መስኖን ቆላታትን ዶክተር ኣብርሃም በላይ፡ ብዓርቢ 24 ጥሪ 2025 ንእዋናዊ ጉዳያት ትግራይ ኣመልኪቱ ምስ ተለቪዥን ፋና ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ “ኣብቲ ክልል ንክልተ ዓመታት ንዝቐጸለ ደማዊ ኲናት መዕለቢ ዝገበረ ውዕል ፕሪቶሪያ ምሉእ ብምሉእ ተተግቢሩ ናብ ካልእ ምዕራፍ ከይእቶ፡ ቀንዲ ዓንቀፍትን ሓለኽቲን ኮይኖም ዘለዉ መራሕቲ ህወሓት እዮም” ክብል ወቒሱ።
ንሱ፡ ንትግባረ ናይቲ ስምምዕ ዕንቅፋት ኰይኑ ዘሎ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቍርቍስን፡ ንጸገማት ህዝቢ ጂሆ ሒዝካ ከም ፖለቲካዊ መዋገዪ ናይ ምግባር ኣካይዳን ምዃኑ ብምሕባር፡ ፌደራል መንግስቲ ዝፈጠሮ ዝዀነ ዕንቅፋት ከምዘየለ፡ ብዝርዝር ኣረጋጊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ምትፍናን መሪሕነት ህወሓት ናብ ሓድሕዳዊ ኲናት ከየምርሕ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።
ላዕለዎት ወተሃደራዊ መራሕቲ ትግራይ፡ ነቲ ብዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ከምዝድግፉ ድሕሪ ምግላጾም፡ ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብ ትግራይ ዳግማይ ውግእ ከይካየድ ከቢድ ስግኣት ሓዲርዎም ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ክልቲኦም ወገናት ፍልልያቶም ናብ ህዝቢ ኣቕሪቦም ክፈትሑ ተማሕጺኖም።