ኣብ ከተማ ሽረ ኣብ መዘናግዒ ማእከል ድሕሪ ዝተወርወረ ቦምባ ኢድ፡ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ውዒሎም

ኣብ ትግራይ፡ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ድሕሪ ዝተወርወረ ቦምባ ኢድ፡ ኣርባዕተ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ውዒሎም፡ ጉዳዮም ብሕጊ ይጻረ ከምዘሎ ፖሊስ ናይታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ትማሊ 10 ለካቲት 2025 ከባቢ ሰዓት 7፡30 ምሸት ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ሓደ መዘናግዒ ማእከል ቦምባ ኢድ ከምዝተወርወረን ጉድኣት ከምዘውረደን ቴሌቪዥን ድምጺ ወያነ ሓቢራ።

ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኢንስፔክተር ኣወጠሀኝ መሰለ ንድምጺ ወያነ ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ወናኒ መዘናግዒ ማእከል ሓረግ” ኣቶ በራኺ ሓጎስ መንነቶም ካብ ዘይፍለጡ ሰባት፡ ገንዘብ ክልእከሎም ብቴለፎን፡ ብድምጽን ብናይ ጽሑፍ መልእኽትን ፈኸራን ምፍርራሕን ክበጽሖ ከምዝቐነየ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ እታ ከተማ፡ እዚ ሓበሬታ ካብ ዝበጽሖ እዋን ጀሚሩ ካብ ፖሊስን ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕግን ናይታ ከተማ፡ ከምኡ’ውን ካብ ፖሊስ ዞባታት ምዕራብን ሰሜናዊ ምዕራብን ትግራይ ዝተዋጽኡ ኣባላት ዝሓቖፈት ኮሚቴ ኣቚሙ፡ ኣድላዪ ሓለዋን ምክትታልን ክገብር ምጽንሑ ኢንስፔክተር ኣወጠሀኝ ሓቢሩ።

ትማሊ 10 ለካቲት 2025 እታ ኮሚቴ ብተመሳሳሊ ተልእኾ ናብቲ ከባቢ እናተጓዕዘት ከላ እዩ እምበኣር ካብ ደገ ናብቲ መዘናግዒ ማእከል ዝተደርበየ ቦምባ ተፈንጂሩ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት ዘውረደ።

ክሳብ ሕጂ ብዝተገበረ ምጽራይ፡ ኣብ ሓሙሽተ ሰራሕተኛታትን 12 ተገልገልትን ናይቲ መዘናግዒ ማእከል ቀሊልን ከቢድን መጉዳእቲ ወሪድዎም ከምዘሎ ዝገለጸ ኢንስፔክተር ኣወጠሀኝ፡ ቀሊል ጉድኣት ዝወረዶም 14 ሰባት ቀዳማይ ረድኤት፡ ክብድ ዝበለ ጉድኣት ዝወረዶም ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እትርከቦም ሰለስተ ሰባት ድማ ግቡእ ሕክምናን ክንክንን ከምዝተገበረሎም ኣረዲኡ።