ኣብ ኢትዮጵያ፡ 5.3 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ናብ ሰኑይ 24 ለካቲት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ 5.3 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ ንማእከል ስነ-ምድራዊ ምንቅጥቃጥ ባሕሪ ኤውሮጳ ብምጥቃስ ኢትዮጵያን ኢንሳይደር ሓቢሩ።
እቲ እቲ ንሓያሎ ካልኢታት ዝጸንሐ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ካብ ከተማ ጭሮ 60 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ከምዝተኸስተን ተዘዝታኡ ክሳብ ርእሰ-ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተሰምዐን፡ ዳህሳስ ጂኦሎጂ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።
ኣብ መላእ ዓለም ንዝኽሰቱ ምንቅጥቃጣት ምድሪ ዝከታተል ቮልካኖ ዲስከቨሪ ዝተባህለ ትካል፡ እቲ ኣብ ከተማ ጭሮ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልክዕ፡ ኣብ ኣዋሽ እውን ቅልል ዝበለ ምንቅጥቃጥ ከምዘስዓበ ገሊጹ።
ተዘዝታ ናይቲ ፈኲስ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ከተማታት ድሬዳዋ፡ ሒርና፡ በዴሳ፡ ገለምሶ፡ ደደር፡ ኣቦምሳ፡ ገዋነ፡ መተሃራ፡ ኣዳማ፡ ወንጂ፡ ሞጆን ቢሾፍቱን ከምዝተሰምዐ እቲ ኢንስቲትዩት ኣነጺሩ።
ኣብ ደብረሲና፡ ደብረብርሃን፡ ከሚሴ፡ ባቲ፡ ኮምቦልቻን ደሴን እውን ተዘዝታ ከምዝነበረ ቮልካኖ ዲስከቨሪ ሓቢሩ።
በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝወረደ ጉድኣት ዛጊት ኣይተሓበረን።