ኤርትራዊት መደበር ሳተላይት ቴሌቪዥን ኤሪሳት ኣብ ቦኽሪ ዓመታ

29 ጥቅምቲ: 2019

ሎስ ኣንጀሎስ፡ ካሊፎርንያ – ዜናታት መጸ፡ ኤርትራ ናይ “ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” እንዳተባህለት’ያ ኩሉሳዕ እትጥቀስ። ነዚ ክውንነት ንምቕያርን ኣብ ሃገሮም ዘሎ ጽምኢ እሙን ሓበሬታ ብመንገዲ ብቑዕ ሞያ ጋዜጠኛነት ንምምላስን ዝደፈሩ ኣብ ስደት ዝርከቡ ውፉያት ኤርትራውያን ካብ ህዝቢ ዝርካቡ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣኻኺቦም ናይ ሳተላይት መደበር ቴሌቪዥን ኤሪሳት ኣውፊሮም ። ብ 29 ጥቅምቲ ናይ 2018 ፈነዋኣ ኣሃዱ ዝበለት ኤሪሳት እንሆ ምበለ ሓደ ዓመታ ኮይኑ ኣሎ። ማእከል ዕላማ ናይ’ቶም ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ተሰዲዶም ዝነብሩ ዘለዉ ኤርትራውይን ሞያተኛታት ፡ ዘሎካ ክእለት ኣወሃሂድካ ናብ’ቲ ኣብ’ዚ እዋን ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ብዝኾና ሚድያታት ንዝካፈሉ መደባት ኣብ ምዕፋን ብዝሃልኽ ጉጅለ ዝግዛእ ዘሎ ልዕሊ 5 ሚልዮን ህዝብና ብቑዕን ክውንን መደባት ቴሌቪዥን ምቕራብ እዩ። ተልእኾ ኤሪሳት ኣብ ውሽጢ ሃገርን መላእ ክፋላት ዓለምን ንዝርከቡ ኤርትራውያን ሓበርቲ ፡ ኣዘናጋዕቲ፡ ኣሳተፍቲን ኣማዕበልቲን መደባት ምቕራብ እዩ። 

ኤሪሳት ካብ በበይኑ ሞያዊ፡ ባህላዊ፡ ፖለቲካውን ሃይማኖታዉን ድሕረባይታ ዝመጽኡ ኤርትራውያን ዘካይድዎ ዘለዉ ህዝባዊ መደበር ቴሌቭዥን እዩ። ኤሪሳት ፡ ብባህሊ ደሞክራሲን ፍትሒን ተመሪሑ ድምጽታት ብዙሕነት እንዳዳመጸ ምጽዋርን መንፈስ ምዕሩይ ተሳታፍነትን ኣብ ኤርትራውያን ክሰርጽ ብሂጋ እያ ትሰርሕ። ዳይረክተር መደባት ኤሪሳት ኣቶ ዘካርያስ ገሪማ ካብ ከተማ ካምፓላ ናይ ኡጋንዳ “ንተኸታተልትና እንሰርዖም መደባት ንጹር፡ ሚዛናውን ፍጹምን ሓበሬት ዘካተቱ ኮይኖም እምነት ተኸታትልትና ንምዕባይ ዝዓለሙ እዮም፡” ክብል ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ። ብመሰረት መግለጺ ኣቶ ዘካርያስ፡ ኤሪሳት ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወጻእን ዘሎ ናይ ሓበሬታ ሃጓፍ ንምምላእ ትጽዕት ምህላዋ እዩ። 

ኣብ ውሽጢ’ዛ ኣፍቂድናያ ዘሎና ሓንቲ ዓመት፡ ኤሪሳት ድሮ ዓለማዊ ተቐባልነት ክትዉንን፡ ሓደስቲ ወለንታውያን ሞያተኛታት ክጽንበርዋ፡ ከምኡ’ውን ንኡስ ገንዘባዊ ሓገዛት ክትረክብ ይረአ ኣሎ። መደባት ኤሪሳት ካብ’ቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮይኑ ንጉዳዮ ዘይውክል ፍሕሹው መደባት ንዘካፍላ ናይ ሳተልያት መሰመራት ጥራይ ክከታተል ዝግደድ ዘሎ ህዝብና እወታዊ መልሰ ግብሪ ክረኽቡ ጀሚሮም ኣለዉ። ኣብ ኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ጸቢብ ጉጅለ ነተን ዘይቆጻጸረን ብመንገዲ ኢንተርነት ፡ ወረቓቕቲን ሬድዮን ሓበሬታ ዝፍንዋ ማዕከናት ዛጊት ኣጊዱ ይርከብ ። “ ኤሪሳት ብኣዝዩ ንኡስ ባጀት ኣብ መላእ ዓለም ኣብነት እወታዊ ሓይሊ ንኤርትራዊ ደሞክራሲ ኮይና ምህላዋ እምነትና እዩ፡” ትብል ኣደ-መንበር ቦርድ ዳይረክተራት ኤሪሳት ወ/ሮ ሳባ ተስፋዮሃንስ። ዳይረክቶር ክፍሊ ምኽዕባት ገንዘባዊ ሓገዝ ኣቶ ኣቤል ተስፊት ካብ ከተማ ቶሮንቶ ናይ ካናድ ብወገኑ ፡ “ካብ ደገፍትና ዝመጽእ ገንዘባዊ ሕገዝ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኣየር ክንስማዕ ዘኽእለና ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት እዩ፡” ድሕሪ ምባል ቀጻልነት ናይ’ዚ ገንዘባዊ ደገፍ ንምውሓስ ንመጻኢ ብዝሓየል ክስረሓሉ ምዃኑ የረድእ። 

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ገለ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት፡ ክኢላታት ቴክኖሎጂ ሓበሬታ፡ ኣካየድቲ ትካላት ፡ ተመራመርቲ ታሪኽ፡ ክኢላታት ሕጊ መምሃራንን ክኢላታ ቪድዮ ግራፊክስን ብወለንታኦም ኣብ ምክዋን እቶም ብዝተፈላለየኡ ቋንቋታት ዝፍነዉ ምደባት ግዜኦምን ቀልቦምን የካፍሉ ኣለው። ኤሪሳት ብዘይካ’ቶም ዘካፍሎም ዜናውን ትንተናኣውን ትሕዝቶታት፡ ኣብ ጥዕናን ዕብየትን ኣእምሮን ዝምድናታትን ዘተኮሩ መደባት፡ ከምኡ’ውን ትሕዝቶታት ስፖርት፡ ኣዘናጋዕቲ ጥበባትን መደባት ቆልዑን ኣካል መደባቱ ገይሩ ይሰርሕ ኣሎ። 

ፈለምቲን ኣባላት ቦርድ ዳይረክቶራትን ናይ’ዛ ህዝባዊ መደብር ቴሌቪዥን ኮይኖም ዝነጥፉ ዘለዎ ሳባ ተስፋዮሃንስ፡ እስማዒል ጋባይታ፡ ፊሊሞን ኣለምን ፊሊሞን ገብረየሱስን ምስ ኩሎም ዝተረፉ ኣባላት ብምዃን ንዕብየት እዛ ቴሌቪዥን ዝመርሑን ዝሃልኩን ዘለዉ እዮም። ኤሪሳት ነቶም ንደሞክራስያዊ ስግግርን ዕብየትን ኤርትራ ዝዓለሙ መደባታ ሓያልን ውርጹጽን ትሕዝቶታት ወኒኖም ኣብ 2020 ክቕጽሉ ትሰርሕ ምህላዋ በዚ ኣጋጣሚ ኽንገልጽ ንፈቱ። ነዛ ህዝባዊ መደበር ቴሌቪዥን ብዝኾነ ሸነኻት ሓገዝ ክትድግፉ ትመርጹ ሃገራውያን ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታና www.erisat.org ክትደሃዩና ትዕደሙ።

ሓበሬታ መራኸቢ

ወ/ሮ ሳባ ተስፋዮሃንስ

ሎስ-ኣንጀሎስ ፡ ክሊፎርንያ

info@erisat.org

ቴሌፎን፡ (310)621-3957