ሊቨርፑል ነቲ ናይ ኣርሰናል ከይተሰዓርካ 49 ተኸታታሊ ዓወት ክብረ ወሰን  ኣብ መበል 44  ከይቀጸሉ ዋትፎርድ 3 ብ 0 ሕልሚ ገይራቶ።
ክብረወሰን ናይ ዋትፎርድ ሰቢሩ ዝተሰጋገረ ኢስማይላ ሳር ክልተ ሽቶታት ኣብ ውሽጢ 15 ደቓይቕ ናይ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣመዝጊቡ። ብተወሳኺ ትሮይ ዲነይ ብውሕሉል ኣገባብ 3ይቲ ሽቶ ብምምዝጋብ ዓወት ጋንትኡ ኣውሒሱ።
ሊቨርፑል ወላኳ ንክብሪ ወሰን ናይ ኩሉ ግዜ ናይ ዓዲ ኢንግሊዝ  49 ተኸታታሊ ዓወታት ብዘይ ተሰዓርነት ኣርሰናል እንተ ተጸግዐቶ፡ ክትሰብሮ ግን ኣይከኣለትን፡ከምዚ ኢሉ ከሎ ሊቨርፑል ገዚፍ ናይ 22 ክልተ ነጥቢ ፍልልይ ካብ ድሒራ ትስዕባ ዘላ ማን ሲቲ ኣንጺፋ ትርከብ።ወላኳ ዓቢ ኣቓልቦ ኣብ ስዕረት ሊቨርፑል እንተ ኾነ ፡ዓወት ዘመዝገበት ዋትፎርድ ዓቢ ድርኺት ማለት ካብ ናብ ታሕተዋይ ሊግ ተመለስቲ መዋጽኦ ኮይንዋ።

ኤል ክላሲኮ
ኤል ክላሲኮ  ሮናልዶ እንተ ኸደ ፡ ክብረወሰን ሜሲ ዝሰብር መጺእዋ
ብጎል ቪኒሽየስ ዝፈለመ ኤል ክላሲኮ ፡ ንጋንትኡ ቀዳመይቲ ንሜሲ ክብረወሰን ዝነኣሰ ኣመዝጋባይ ሽቶ ኤል ክላሲኮ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ብ 26 መዓልታት ብምቕዳም፡ ንማድሪድ ድማ ድሕሪ ሮናልዶ እነኹልኪ ፡ ንዚዳን ድማ ድሕሪ 5 ዓመት ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ በርናቡ ማድሪድ ኣብ ልዕሊ ባርሳ ዓወት ዘመዝገበትሉ ዓቢ ባብ ዘርሓወሉ ምሸት።

ማርያኖ ዲያዝ ድማ ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ካልኣይቲ ሽቶ ብምምዝጋብ ፡ ባርሳ 2 ብ 0 ተዋሪዳ ፡እዚ ከይተርፍ መሪሕነታ ተሓዲጋ፡ ኣብ ዝተረፈ እዚ ሊግ 12 ጸወታታት መቐረት ዝተወሰኾ ምሸት።

ፒኬን ራሞስን ወላኳ ደቂ ሓንቲ ሃገራዊት ጋንታ ይኹኑ ፡ ናይ ዘረባ ኲናት ግን ዘይፍለዮም እዮም። ድሕሪ ጸወታ ፒኬ “ዝሓመቐት ጋንታ ካብ ናይ ዝኾነ  ግዜ ዝነበረት ማድሪድ ስዒራትና ” ብምባል ጓሂኡ ገሊጹ።
ራሞስ ውን ኣይሓመቐን ፡ኣን ብዓሰርተ ኣእዳወይ ይፍርም ከምዚኣ ኢልና ዋንጫ ክንወስዳ ከም ዝኾና፡ ኢሉ፡ ብምውሳኽ እዘን ተረኺበን ዘለዋ 3 ነጥቢ ኣዝየን ኣገደስቲ እየን ንሶም እንተ ዝዕወቱ  ፍልልይ  ናብ 5 ምገፍሐ በንጻሩ ድማ ኢሉ።
ማድሪድ ናይ 45 ዓመታት ጽምኣ ዘርወየትሉ ምሸት ውን እዩ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ባርሳ ኣብዚ ጸወታ ከየመዝገበት ዝኸደትሉ ቅድሚ 45 ዓመታት ስለ ዝነበረ።