ቅድሚ 19 ዓመታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣመኖም ከዳዓት፡ ኣዘንጊዖም ኣፉ ዓቢሶም፡ ኣስዒቦም ድማ ኣእዳዉን ኣእጋሩን መቚሖሞ።
ብ18 መስከረም 2001 መሰል ናጻ ሕትመት ኣብ ኤርትራ ተመንጢሉ። ኣብቲ ዝሰዓበ መዓልታት መራሕቲ ፖለቲካን መራሕቲ ሕትመትን ብዕሱባት እቲ ከዳዕ ጉጅለ ተጨውዮም ኣብ ዘይሕጋዊ ማሕዩራት ተዓጽዮም።
ምስ ምእሳር እቶም ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን፡ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ተዓቢሳ ጥራይ ዘይኰነት፡ ብሓጺን ውን ተመቚሓ። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ መስከረም 2001 ፈጺሙ ኣይጠዓሞን። ድሕሪ ምቕታል ሓርነት ሓሳብ ምግላጽን ሓርነት ሕትመትን፡ ኩሉ ሓርነታት ህዝቢ ኤርትራ ተመንዚዑ ዋንነት ሰለስተ ኣርባዕተ ልኡኻት ጥፍኣት ኰይኑ። ኣብቲ ዝሰዓበ ዓመታት ዜጋታት ሰሪሖም ክነብሩ ዝነበሮም ናጽነት ተመንጢሉ፡ ናጽነት ኣምልኾ ተመንጢሉ፡ ናጽነት መገሻ ተመንጢሉ፡ ናጽነት ብህይወት ምንባር ብጠቕላላ ተመንጢሉ። ኣይትሕሰብ፡ ኣይትሓልን፡ ኣይትዛረብ፡ ኣይትጽሓፍ፡ ኣይትንቃሳቐስ፡ ኣይትስራሕ፡ ኣይትንበር ተባሂሉ። ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ይኹን በብውልቂ ብህይወት ኣብዛ ዓለም ክነብር ዝተዋህቦ ተፈጥሮኣዊ ናጽነት ተመንጢሉ፡ ኣብዛ ዓለም ከም ጋሻ እናቕባሕብሐ፡ ከም ቀታሊ እናተሓብአ፡ ከም ባርያ እናፈርሀ ኽነብር ተገዲዱ ኣሎ።
መሰነይታ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝዀነት ቴለቪዥን ኤሪሳት፡ ነቲ እዚ ዘለናዮ መድረኽ ዓመጻ ዝኣተወሉ እዋን ዝምርምር፡ ንነዊሕ እዋን ዝቕጽል ተኸታታሊ መደባት ሒዛትልኩም ቀሪባ ኣላ። ካብ 14 መስከረም ጀሚርና፡ ንሓያለ ሰሙናት ዝፍኖ ተኸታታሊ ናይ ዝኽርን ኣስተንትኖን መደባት ሒዝና ንቐርብ ኣለና። እቶም ጀጋኑና ብዓይኒ እቶም ኣቕሪቦም ዝርእይዎም ዝነበሩ ከመይ ከምዝነበሩ፡ እዚ ዘለናዮ ዘመነ ዓመጻ ዝኣተወላ መዓልቲ ውን ከመይ ከምዝነበረት፡ ብልሳን ቤተሰብን ፈተውትን እቶም ሽዑ ዝተጨውዩ ጀጋኑና ክትረኽ ከሎ፡ ነዚ ኸቢድ ታሪኽ ከተስተንትኑ ምሳና ቐንዩ።