ራይሞክ ሎተሪ፡ ገንዘባዊ ትሕዞ ህዝቢ ንምድኻም ዝዓለመ ወፍሪ

ብንግዳዊ መሓዉር ህግደፍ ፡ ማለት ንግዳዊ ኮርፖሪሽን ቀይሕ-ባሕሪ (09) እንዳተሓለወ ብስማዊ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን (ሃማመተኤ) ዝካየድ ራይሞክ ሎተሪ፡ ገንዘባዊ ትሕዞ ህዝቢ ምድኻም ማእከል ዕላማኡ ገይሩ ይነጥፍ ምህላዉ ምንጭታት ካብ ሃማመተኤ ኣቃሊዖም።

ካብ’ቶም ምንጭታት ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘነጽሮ፡ እቲ ሎተሪ ዝገዘፈን ዝርካቡን ሽልማቱ ናብ መን ከምዝበጽሕ ኣቐዲሙ ስርርዕ ከምዝግበር፡ ኣብ ቀጻሊ ቊጠባዊ ጸገማት ዝርከብ ህዝብና ድማ መለሳ ኣብ ዘይብሉ ተስፋ፡ ዝርካበን ገንዘቡ ኣብ’ቲ ሎተሪ ኸጥፍእ ይርአ ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ራይሞክ ሎተሪ፡ ህግደፍ ብዘይ ዝኾነ ወጻኢታት ዝገዘፈ ገንዘባዊ ኣታዊ ዘኻዕብተሉ ማዕከን ኾይኑ ምህላዉ ዘቃልዑ እቶም ምንጭታት፡ ህዝቢ ፡ ዕለታዊ ናብቲ ዘየርብሕ ወረቐት-ዕድል ዘውፍሮ ዘሎ ገንዘብ ኪቚጥብ ተላብዮም ኣለዉ።

ራይሞክ ሎተሪ፡ ከም ኩሎም መሓዉራት ጉጅለ ህግደፍ ካብ ሓለዋ ክፍሊ ጠቕላሊ ኦዲተር ነጻ ብዝኾነ ማሕበር ዝመሓደር ብምዃኑ፡ ትካላዊ ተሓታትነት ዝጎድሎ፣ በቲ ሎተሪ ዝስርዑ ሽልማታት ናበይን ብኸመይን የብሉ ዝሕሉ ቅጺ-ተኣማንነት ድማ ብመሰረቱ ከምዘየለ እዮም እቶም ምንጭታት ዘተሓሳስቡ።

ሃማመትኤ፡ ሃገራዊ ሓላፍነት ረሲዑ ፡ ኣብ ኩሉዓይነታዊ ምዝመዛ ሃገርን ህዝቢን ብሓፈሻ ፡ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ብመሪሕነት ናብ ዝዋሳእ መሓዉር ህግደፍ ካብ ዝቕየር ዓመታት ተቖጺሩ ምህላዉ ይፍለጥ።