ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣመሪካን ኦሻንያን፡ ፖለቲካዊ መናብር ናይ ዝሕዙን፡ ነቶም መናብር ኪዕወትሎም ናይ ዝወዳደሩን ኤርትራዉያን ቊጽሪ ይዛይድ ምህላዉ ወኪላት ኤሪሳት ሓቢሮም።   

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንክፍለ-ሃገር ኮሎራዶ ወኪሉ ኣባላነት ኮንግረስ ኣውሒሱ ዝርከብ ጆ ንጉሰ፣ ናይ ፈለማ ኣፍሪቃዊ ኣባል ፓርላም ኾይኑ ኪነጥፍ ዝርከብ ኣርሐ ሓመድነካ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ባይቶኣዊ ምርጫ ኒውዚላንድ ብዓብላሊ ድምጺ ናይ ዝተዓወተ ሰልፊ ዕዮ ኒውዚላንድ ፡ ኣባል ባይቶ እቲ ሰልፊ ኮይኑ ዝተዓወተ ኢብራሂም ዑመር ከም ኣብነት ዝጥቐሱ እቶም ወኪላት፡ እዚ ንቕሙጥ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኤርትራዉያን ዘንጸባርቕ ከምዝኾነ ኣዘኻኪሮም ኣለዉ።

ንባይቶ ክተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝወዳደሩ ኤርትራዉያን እዉን ይበዝሑ ምህላዎም ዘመልከቱ እቶም ወኪላት፡ ከም ንባይቶ ከተማ ኦክላንድ ዝወዳደር ዘሎ መሮን ሰመድር፡ ንባይቶ ከተማ ቦይስ ናይ ክፍለ ሃገር ኤዳሆ ኪቀዳደም ዝበቕዐ መንእሰይ ተኽለ ገብረሚካኤል፡ ከምኡ’ውን ንውክልና ኮንግረስ ናይ ኒውዮርክ ዝወዳደር ዘሎ ዓንዶም ገብረጊዪርጊስ ገለ ካብኣቶም ከምዝኾኑ ጠቒሶም።

ኤርትራዊ መንእሰያት ስደት፡ ኣብ’ተን ነዊሕ ደሞክራስያዊ ሰረት ዝወነና ሃገራት ምዕቡል ዓለም ክሳዕ ክንድዚ ጽልዋ ኪግብሩ ምርኣይ ፡ ኣብ’ታ ህዝቢ ዝጽበያ ዘሎ ሓዳስ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ዝተብዐ ተስፋ ዘንጽፍ ከምዝኾነ ኣብ መወዳእታ ዝጠቐሱ ወኪላት ኤሪሳት፡ እቶም ኤርትራውያን ኣብ’ተን ሃገራት ዝመዝግብዎ ዘለዉ ፖለቲካዊ ሓይሊ ንድሕነት ሃገሮም ኸውዕልዎ ሃገራዊ ሓላፍነት ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም።