እዋናዊ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ’ቲ ብመራሒ ጉጅለ ህግደፍ ዝተፈንጠረ ዞባዊ ሃወኽ መሪሕ መጋበርያ ብምዃን፡ ንርግኣት ኢትዮጵያን ሃገራት እዚ ዞባን ኣብ ሓደጋ ከዉድቕ ጀሚሩ ምህላዉ ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይገልጹ ኣለዉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ባህሪን ኣካይዳን ናይ’ቲ ዞባዊ ሃወኽ ምርባሕ ዝመናብርቱ መራሒ ጉጀለ ህግደፍ ኪሕዝን ምስቲ መራሒ ጉጅለ ኪጻጋዕን ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ፡ ክስዕብ ዝኾነ ዕንወት ብኣጋኡ ተገሚቱ ምንባሩ ይዝከር።

መራሒ እዋናዊ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንዘቤታዊ ጉዳዩ ኣብ ዞባዊ ዓንኬል ኪፈትሕ ምንቃሉ፡ ነጸብራቕን ጽልዋን ናይቲ ጸግዑ ኪኸዉን ዝመረጾ ኣብ ኤርትራ ጸቢብ ሓይሊ ዝመርሕ ዘሎ ኣቶ ኢስያስ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ሓድሽ መራሒ ኢትዮጵያ፡ ከምቲ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ዘቤታዊ ግድል ንምድፋን ምስ ኩለን ጎረባብቲን መቓርብቲን ሃገራት ዘቃነዖም ዘየቋርጹ ግጭታት  ክደግም ጀሚሩ ምህላዉ ድማ ነቲ ሓቂ ዘራጉድ ኾይኑ ኣሎ።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ  ዞባዊ ሃወኻት ብምስዋር ምልኩ ኣብ ኤርትራ ከውሕስ ምጽንሑ ዝኣመነ ሓድሽ መሪሕነት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እንሆ ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኪፈትሖም ዘጸገምዎ ሕቶታት ንምኽዋል  ድሮ ምስ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ኣብ ወተሃደራዊ ረጽሚ ኪኣቱ ምኽንያታት ይምስርሕ ኣሎ።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ መላኺ የዂትት ምህላዉ ብተደጋጋሚ ኪግለጽ ጸኒሑ እዩ።