ምልሻታት ትግራይ ብ 14 ሓምለ ኣብ መዓስከር ዓዲ-ሓሩሽ ብምእታዉ ን19 ኤርትራዉያን ስደተኛታት ጠርኒፎም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝወሰድዎም፡ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ካብ ሓደ ነባሪ እቲ መዓስከር ዝኾነ ኤርትራዊ ስደተኛ ረኺበዮ ንዝበሎ ሓበሬታ ብምጥቃስ ገሊጹ።
እቲ ማዕከን ዜና ኣብ ሓበሬታኡ፣ ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ እዉን በቶም ዕጡቓት ዕጥቂ ኽስከም ተሓቲቱ ስለዝኣበየ ከምእተቀትለ ኣረዲኡ ኣሎ።
እቲ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ምስክርነቱ ዝሃበ ስደተኛ ፣ ዕጡቓት ምልሻ ትግራይ ኣብ ዓዲ-ሓሩሽ ናብ መንበሪ ገዛ ስደተኛታት እንዳኣተዉ ከምዝፈተሹን ተንቀሳቐስቲ ቴለፎናት ከምዝዘረፉን ብምሕባር፣ ኣብ’ቲ መዓስከር ቀጻሊ ብረታዊ መጥቃዕትታት ከምዘሎ እዩ ኣረዲኡ።
መዓስከራት ስደተኛታት ዓዲ-ሓሩሽን ሕጻጽን በቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣቐዲመን ዝዓነዋ መዓስከራት ስደተኛታት ኮይነን ፣ ዝበዝሑ ካብ ነበርተን ሃዲሞም ኣብ ዘይውሑስ ኩነታት ከምዝርከቡ እዩ ብተደጋጋሚ ዝግለጽ።
ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብኹሎም ተራጸምቲ ሓይልታት ዝወርድ ዘሎ በደላት ብኣሻቓሊ መልክዕ ይቕጽል ምህላዉ እዩ ዝሕብር።
ኣብ ክልል ትግራይ ኲናት ካብ ዝዉላዕ ፡ ኣብታ ክልል ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብኹሎም ተራጸምቲ ሓይልታት ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጒምትታት ጾታዉን ኣካላዊን ዓመጽ፡ ጭዉያ፡ ማኣሰርቲን መቕተልቲን ይበጽሖም ምህላዉ ሓላፊ እቲ ላዕለዋይ ወኪል ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ብወግዒ ገሊጹ እዩ።