ጉጅለ ዋግነር (Wagner Group) ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ተዓሳቢ ወተሃደራዊ ትካል ሩስያ ኣብ ሱዳን ይነጥፍ ኣሎ ዝብል፡ ብገለ ዲፕሎማሰኛታት ሃገራት ምዕራብ ዚወጽእ ዘሎ ክሲ መሰረት ዘይብሉ ከምዝኾነ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ገሊጹ።

ገለ ዲፕሎማሰኛታት ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ኖርወይን ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘካፈልዎም ወቐሳታት ፣ እቲ ምስ መንግስቲ ሩስያ ጥቡቕ ናይ ስራሕ ዝምድና ዘለዎ ተዓሳቢ ወተሃደራዊ ትካል ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተፈላለዩ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ወፊሩ ከምዘሎ እዮም ከሲሶም።

እቲ ትካል ኣብ ሱዳን ኣብ ምስልጣን ሓይልታት ጸጥታ፣ ኣብ ዕደናን ካልኦት ዘይሕጋዊ ቊጠባዊ ንጥፈታትን ወፊሩ ከምዘሎ እዮም እቶም ዲፕሎማሰኛታት ዝኸሱ።

ኣብ ጉዳይ ወራር ሩስያ ማእከላይ መርገጺ መሪጹ ዘሎ መንግስቲ ሱዳን ፣ እቶም ክስታት ካብ ሓቅነት ዝረሓቚ፣ ንምስሊ ሱዳን ብምጽላም ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳይ እታ ሃገር መጣለቒ ምኽንያት ንምርካብ ዝዓለሙ ከምዝኾኑ እዩ ኣረዲኡ ዘሎ።

ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ወፍርታት የቃንዓ ኣለዋ ንዘበለተን ብገበን ብእትደልዮ ሩስያዊ በዓል ጸጋ የቭገኒ ፕሪጎዚን  ዝዉነና ኤም-ኢንቨስትን ሜሮ-ጎልድን ዝተባህላ ናይ ወፍሪን ዕደናን ትካላት ኣብ 2020 ምእጋዳ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ጉጅለ ዋግነር ብሽፋን እተን ክልተ ትካላት ኣብ ሱዳን ይነጥፍ ምህላዉ እያ ኽትወቅስ ጸኒሓ።

ሩስያዊ በዓል ጸጋ የቭገኒ ፕሪጎዚን ካብ መራሕያን ወነንቲ እቲ ተዓሳቢ ወተሃደራዊ ትካል ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ኣብ ድሮ ወራር ዩክሬን፣  ምክትል ወታሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ (ሓመቲት) ኣብ ሩሲያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምክያድ፡ ተዋዲቚ ንዝጸንሐ ጸጥታዊን ቊጠባዊ ዉዕላት ኬሐድሱ ዘኽእሉ ስምምዓት ኣዉሒሱ ከምእተመልሰ ዝዝከር ኮይኑ፣ እዞም ብምዕራባዉያን ዲፕሎማሰኛታት ዝቀላቐሉ ዘለዉ ክስታት ፣ ምድልዳል ጸጥታዊ ዝምድናታት ሩስያን ሱዳንን ገዚፍ ስግኣት ፈጢሩ ምህላዉ ዘመላኽቱ እዩም።

ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ድሕሪ ናይ ሩስያ መገሻኡ ፡ ናይ ጸጥታን ውሕስነትን ሕቶ ሃገሩ ክሳብ ዝተኸብረ ፡ ሩስያ ትኹን ካልእ ሃገር ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሱዳን ወተሃደራዊ መዓስከር ኪትድኲን ፍቑድ ምዃኑ ብወግዒ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ እዋን መሪሕነት ዑመር ኣልበሽር፣ ንሩስያ ክሳብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ማያዊ ገማግማ ክትጉንዕ ተቓሪባ ዝነበረት ሱዳን፣ ዑመር ኣልበሽር ኣብ ምዝዛም 2019 ብህዝባዊ ተቛዉሞ ካብ ስልጣን ምስ ተኣልየ፡ ናብ ሃገራት ምዕራብ ኽትዉግን ከምዝተራእየት፣ ወተሃደራዊ ወገን እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ መሰጋገሪ መንግስቲ ድሕሪ ዝደገሞ ዕልዋ ግና ነቲ ምዕራባዊ ደገፍ ትኸስሮ ምህላዋ ይፍለጥ።

ኣብ ሱዳን ስልጣን ብሒቱ ብገዚፍ ህዝባዊ ተቛዉሞን ጸቕጥታት ማሕበረሰብ ዓለምን ተሸጊሩ ዘሎ ወተሃደራዊ መሪሕነት እምበኣር፡  ወተሃደራዊን ቊጠባዊን ደገፍ መንግስቲ ሩስያ ቻይናን ንምዉሓስ ኣብ ምጒያይ ይርከብ።