ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ፡ ፖሊሲታት ወጻኢ ኣመሪካ  ብገንዘባዊ ምወላ ጎስጎስቲን ሰብፍሉይ ረብሓ ዝኾኑ ኣካላትን ይጽሎ ምህላዉ ዘስምዕ፡ ዛጊት ዘይተረጋገጸ መርትዖ ኣብ ናይ ትዊተር ሒሳቡ ድሕሪ ምክፋሉ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ጸዋዒ ግብረመልሲ ሂቡ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ግብረመልሱ፡  ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ኣካል ነቲ ንዓመታት ቆሊፍዎ ዘሎ ጽዱቕ ሃገራዊ ቅዋም ብምትግባር፡ ብህዝቢ ዝተመርጸ ስሩዕ መንግስቲ ንኽረጋገጽ መድረኻዊ ሓላፍነት ክስከም ድሕሪ ምጽዋዕ፡ ካብ’ቲ ኣብ ኤርትራ ተሳኢኑ ዘሎ ቅዋምነትን ትካላዉነትን፡ እቲ ኣብ ኣመሪካ ፍጹምነት ክለብስ ኣብ ቀጻሊ ጽገና ዝርከብ ደሞክራስያዊ ባይታ ኣጸቢቚ ከምዝሓይሽ ኣዘኻኻሪ ምኽሪ ሂቡ ኣሎ።

ሚኒስተር የማነ፡ ሓደ ኣባል ኮንግረስ ኣመሪካ ንተሳትፎ ኤርትራ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣትሪሩ ብምዂናኑ ፡ ንዉልቃዊ ፖለቲካዊ ተወዳዳርነቱ ኣብ ምጒስጓስ ዝጠቕሞ ገንዘባዊ ደገፍ ከምእተገብረሉ ብምሕባር’ዩ ንሃጓፋት ደሞክራስያዉነት ኣመሪካ ብመንጽር “ዉዱቕን ዘይተሓታቲን” ዝበሎ ፖሊሲታት ወጻኢ እታ ሃገር ከነኣእስ ፈቲኑ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ፡ ካብ ዝደቐቚ ክሳብ ዝገዘፉ መግለጺታት ጉጅለ ህግደፍ እንዳተኸታተለ ይምጒት ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብፍላይ ምስቲ ልዕሊ ዝኾነ በዓል ስልጣን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ መሳዂቲ ማሕበራዊ ሚድያ መግለጺታትን ሓበሬታታትን ኣብ ምክፋል ዝነጥፍ ዘሎ ሚኒስተር የማነ፡ ኣብ ቀጻሊ ትርኽ ኣትዩ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ እዉን ኢምባሲ ኣመሪካ ፡ ሚኒስተር የማነ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ መሓዉራት ህግደፍ ተጻዒኖም ዘለዉ እገዳታት ኣመሪካ ንህዝቢ ግጉይ ሓበሬታ የካፍል ምህላዉ ፣ ኣገዳታት ኣመሪካ ለኣላዉነትን መሬታዊ ሓድነትን ኤርትራ ንምዉቃዕ ዘይኮነ ድማ፣ እቲ ጉጅለ ኣብ ምጉህሃርን ምንዋሕን ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ዝጻወቶ ዘሎ መሪሕ ተራ ንምቕያድ ጥራይ ዝዓለመ ከምዝኾነ ብተደጋጋሚ ሞጊቱ እዩ።

እቶም እገዳታት ንሰላማዊ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ንምግባር ዘይኮኑ፣ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ብምስታፉ ዝስዕብ ዘሎ ዘይተደልየ ዕንወት ንምግታእን፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዘይምልከቶ ኲናት ዘጋጥሞ ዘሎ ክሳራታት ደዉ ንምባልን ዝሓሰቡ ምዃኖም እዩ እቲ ኤምባሲ ዝገልጽ።

እገዳታት ኣመሪካ ፣ ነቶም ንመነባብሮ ህዝቢ ዝጸልዉ ናይ ሕርሻ፣ ጥዕና ፣ ብሕታዊ ንግድን ካልእን ጽላታት ዝትንክፍ ከምዘይኮነ ዝገለጽ እቲ ኤምባሲ ፣ እቶም እገዳታት ብህግደፍ ንዝዉነኑ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ዘይጸንሑ መሓዉራት ዘነጻጸሩ ምዃኖ ብቐጻሊ ይሕብር ኣሎ።

ህግደፍ፣ ነቶም ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊን ቊጠባዊን መሓዉራቱ እተሕልፎም እገዳታት ሽፋን ገይሩ ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ንዘውረዶም በደላት ምኽኒት ኪረኽበሎም ፣ ህዝቢ ድማ ብሰንኪ ኣመሪካ ዪሓስሞ ከምዘሎ ኬእምን ልሙድ ተዋስኦኡ ይቕጽሎ ምህላዉ ይፍለጥ።

እቶም ብኣመሪካን ብማሕበረሰብ ዓለምን ካብ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ተወሲኖም ተባሂሎም ብጉጅለ ህግደፍ ዝምደረሎም እገዳታት እዉን እንተኾኑ ፡ ኤርትራዉያን ነጋዶ ብመሬትን ባሕሪን ከይነግዱ ዝኽልክሉ ከምዘይነበሩ፡ በንጻሩ ህግደፍ ንኹሉዓይነታዊ ማሕበረ-ቊጠባዊ ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ቆሊፉ ይኸይድ ምህላዉ ኣይርሳዕን።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ቲ ንልዕሊ 1,200 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ባሕሩ ከይነግድን ከይገፍፍን፣ ካብን ናብን ከተማታትን ዓድታትን ሃገሩ ተንቀሳቒሱ ከይሰርሕ፣ ከምኡዉን ናይቶም ካብ መሬቱ ተፋሒሮም ልዑል ኣታዊ ዝርከቦም ዘሎ መዓድናት ተጠቃሚ ከይከዉን ገይሩ ዘሎ ጉጅለ  ህግደፍ እምበር ፡ እገዳታት ማሕበረሰብ ዓለም ከምዘይኮነ ብተደጋጋሚ ክሕበር ጸኒሑ እዩ።