መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ሰሪቱ ዘሎ ሰባኣዊ ቅልዉላዉ ንምምሕያሽ ክብል ተጻባኦ ደዉ ናይ ምባል መርገጺ መሪጹ ከምዘሎ ኣዊጁ።

እቲ ንዘይተወሰን እዋን ኪቐንዕ ተመዲቡ ዘሎ ምቚራጽ ተጻብኦ፡ ሰብኣዊ ድሕነት ናይቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ንምርግጋጽ ዝዓለመን ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ናብ’ታ ክልል ዘብሎ ረዲኤት ብዘይጸገም ንኽበጽሕ ዘኽእልን ከምዝኾነ እዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቢሩ ዘሎ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰብስልጣን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ድሕሪ ምዝርራቡ ይስዕብ ምህላዉ ዝንገረሉ እቲ ሓድሽ መርገጺ፡ ኪንዮ ምዝላቕ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ነቲ ኣብ’ታ ሃገር ልዕሊ ዓመትን መንፈቕን ኣቚጺሩ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ሰላማዊ ፍታሕ ኽርከቦ ባይታ ዘንጽፍ እዩ።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ሓይልታት ኣምሓራ ዘለዎ ወተሃደራዊ ሽርክነት ኣብ ዘደላድለሉ ዘሎ እዋን ፣ ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝጸንሖ ተጻብኦ የዝልቕ ከምዘሎ ክሕበር ቀንዩ እዩ።

ስልፊ ብልጽግና ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ናይ’ዛ ወርሒ ኣብ ዘቃንዖ ጉባኤ፡ ኲናት ትግራይ ብሰላማዊ ዘተ ንምኽታም ኩሎም ኣማራጺታት ክጥቀም ምውሳኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መግብን ሕክምናዊ ረድኤትን ዝጸዓና መካይን ናብ መቐለ ይብገሳ ምህላወን ብወግዒ ኪገልጽ ተሰሚዑ እዩ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዓመትን መንፈቕን ኣቚጺሩ ብዘሎ ኲናት ሕድሕድን በቲ ኲናት ዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልዉላዉን፣ ኣብ ትግራይ ጥራይ ህይወት ናይ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ጠፊኡ ኪኸዉን ከምዝኽእል ፣ ነቲ ኲናት ብቐረባ ዝከታተሉ ክኢላታት ኪሕብሩ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብ ዉሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ትግራይ ፣ ክሳብ 100 ሽሕ ሰባት ብኲናት፣ ክሳብ 200 ሽሕ ብጥምየት ፣ ልዕሊ 100 ሽሕ ካልኦት ድማ ብስእነት ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ሞይቶም ኪኾኑ ከምዝኽእሉ፣ ኣባል በልጁማዊት ‘ዩኒቨርሲቲ ገንት’ ብዝኾነ ምሁር እንዳተመርሐት መጽናዕትታት ኣካይደ እትብል ጉጅለ ክኢላታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምግላጻ ኣይርሳዕን።

ብሰንኪ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ፣ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ሰሪቱ ድሕነት ኣማኢት ኣሽሓት ሰለማዊ ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ወዲቚ ምህላዉ ዝግለጽ ኮይኑ፣ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት እቲ ዝበኣሰ ምዃኑ ይንገር።

እቲ ሓደጋ ፣ ነቶም ዝኾነ ጸግዒ ስኢኖም ኣብ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ኣብ ዝርከባ መዓሰካራት ኣብ ሞንጎ ኲናት ተቀርቂሮም ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ሓልፋ ካልእ ወገን ጸሊዩ ከምዘሎ እዉን ኣይርሳዕን ።

ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብኹሎም ተራጸምቲ ወገናት ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ቀጻሊ በደላት ይበጽሖም ምህላዉ ዝኣምን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፣ ድሕነት እቶም ስደተኛታት ንምርግጋጽ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ፣ ብሰንኪ ሕጽረት ባጀትን ዘይቅሩብነት ተራጸምቲ ወገናትን ከምቲ ዝድለ ይዕወት ከምዘየሎ እዩ ዝሕብር።