ዝገዘፈ ክፋል ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ሕጂ’ዉን ግዳይ ናይቶም ጉጅለ ህግደፍ ብኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣመኽንዩ ንልዕሊ ሓደ ዓመት መንፈቕን ዘማሕድሮም ዘሎ ጸወታታት ይኸዉን ብምህላዉ ፣ ሻቕሎት ናይ’ቲ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ፍትሒ ዝህንጠ ዘሎ ህዝቢ ይዛይድ ኣሎ።
ምንጭታትና ንዘሎ ህሉው ርእይቶታት ህዝቢ ምርኩስ ገይሮም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓበሬታ፡ ገለ ወገናት ደንበ ፍትሒ፡ ኣብ መፈንጠራ እቶም ጸወታታት ኣትዮም፡ ገለ ምስ ሓይልታት ትግራይ ኽደናገጹ ገለ ድማ ምስ’ቲ ንምእላዩ ዕላማ ገይሮም ነዊሕ እዋን ዝተቓወምዎ ጉጅለ ህግደፍ ክጽግዑ ይመርጹ ከምዘለዉ እዩ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ንኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ምግምማዕ ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ኽጥቀመሉ ምዃኑ ኣብ እዋን ምጅማር እቲ ኲናት ኣጠንቂቖም ዝነበሩ ምንጭታት ኤሪሳት፡ እቲ ደምበ ጸግዕን ወገንን ናይቲ ኣብ ጎረቤት ሃገር ዘሎ ኲናት ካብ ምሓዝ ኪቚጠብ፣ ኣብ ምዉጋዝ እቲ ኲናት ጥራይ ብምጽናዕ ድማ ካብ ቀንዲ ዕላማኡ ከይዘብል መኺሮም ነይሮም እዮም።
ሓያለ ወገናት ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ኣብ ዉሽጢ እዚ ሓደ ዓመትን መንፈቕን፡ ኣብ ክልተ ጫፋት ዓሲሎም ይጠቓቕዑ ብምህላዎም፡ ንመራሒ ጉጅለ ህግደፍ ድርብ ሩፍታ ፈጢርሉ ከምዘሎ ይፍለጥ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ምስ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ተላፊኑ ኪመርሖ ዝጸንሐ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይተድልየ ደምነትን ሸሚምዎ ከይኣክል ፡ ኣብ ስምረትን ሓባራዊ ጉዕዞን ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ዘይነዓቕ ሃስያ ብምዉራድ ተስፋ ናይቲ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ፍትሕን ሓርነትን ዝጽበ ዘሎ ህዝቢ የፈራርቕ ከምዘሎ እዮም እቶም ምንጭታት ዘተሓሳስቡ።
ኣብ ስደት ብዉልቆምን ተወዲቦምን ንፍትሒ ዝንቀሳቐሱ ሃገራዉያን፡ ግዳይ ናይ’ቶም ብህግደፍ ዝብተኑ ጸወታታት ምዃን ክሳብ ዘየቋረጹ፡ ዕላማኦም ክወቕዑ ከምዘይኮኑ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ብቐጻሊ ኪምሕጸን ምጽንሑ ይፍለጥ።
ህግደፍ ኣብ ምስዋርን ምምሕዳርን ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ካብ ዝተኻፈለሎም ቀንዲ ምኽንያታት ፣ ንደንበ ኤርትራዊ ተቓዉሞ ኣብ’ቲ ሓድሽ ክስተት ብሓሳብን ተግባርን ከምዘይረዳዳእ ጌርካ ንምድኻሙ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቲ ኤርትራዊ ደንበ ነቲ ሽርሒ እቲ ከየቕለበሉ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ጸግዕን ወገንን ኪመርጽ ስለዝተራኣየ፡ ኣብ’ዚ ግዜ ነንባዕሉ ኽካሰስን ኽተሃላለኽን ነቲ ቐንዲ ስራሑ ረሲዑ ከይተረድኦ ንቐጻልነት ጉጅለ ህግደፍ ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ህዝቢ ዝወቅስ።
ነቲ ፍትሒ ኸተምጸኣሉ ዝጽበየካ ዘሎ ህዝቢ ረሲዕካ ግዳይ ናይ’ቶም ንህዝቢ ብዘሳቒ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ዝግተሩ መጻወድያታት ምዃን ከይተገድፈ ፣ ብደንበ ተቛዉሞ ኽረጋገጽ ዝኽእል ዓወት ከምዘይህሉ እዉን ብተደጋጋሚ ኪሕበር ጸኒሑ ኣዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2021 ፣ ካብ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ናብ ቤት ጽሕፈት መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝተላኣከ ጸብጻብ ፣ ተሳትፎ ህግደፍ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ምግምማዕ ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ገዚፍ ተራ ይጻወት ምህላዉ ዝገምገመ ምንባሩ’ዉን ኣይርሳዕን።