ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍን ብዘይጸገምን ናብ ህዝቢ ትግራይ ክበጽሕ እንተጀሚሩ፡  ነቲ ብ24 መጋቢት ብመንግስቲ ሃገሩ ተኣዊጁ ዘሎ ተጻብኦ ናይ ምቊራጽ መርገጺ ተመሳሳሊ ግብረመልሲ ኪህበሉ ድሉው ምዃኑ ሓቢሩ።

ክፍሊ ዝምድናታት ወጻኢ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ድሕሪ’ቲ ብፈደራላዊ መንግስቲ  ዝተወስደ መርገጺ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ሰብኣዊ ቅልዉላዊ ህዝቢ ትግራይ ንምዝላቕ ተባሂሉ ተወሲዱ ዘሎ መርገጺ ፖለቲካዊ መልክዕ ኪወሃቦ ግቡእ ከምዘይኮነ ጠቒሱ፡ በቲ እወታዊ ተበግሶ ንዝነቅል ዝርርብ ሰላም ግን ድልዉነት ከምዝህሉ ኣይሓብአን።

እቲ ንዘይተነጸረ እዋን ኪቐንዕ ተመዲቡ ዘሎ ምቚራጽ ተጻብኦ፡ ሰብኣዊ ድሕነት ናይቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ንምርግጋጽ ዝዓለመን ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ናብ’ታ ክልል ዘብሎ ረዲኤት ብዘይጸገም ንኽበጽሕ ዘኽእልን ከምዝኾነ እዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰብስልጣን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ድሕሪ ምዝርራቡ ይስዕብ ምህላዉ ዝንገረሉ እቲ ሓድሽ መርገጺ፡ ኪንዮ ምዝላቕ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ነቲ ኣብ’ታ ሃገር ልዕሊ ዓመትን መንፈቕን ኣቚጺሩ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ሰላማዊ ፍታሕ ኽርከቦ ባይታ ባይታ ከንጽፍ ተስፋ ተነቢሩ ኣሎ።

ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ ዘሎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝጸንሖ ተጻብኦ ከዝልቕ ምውርሑ ክሕበር ቀንዩ እዩ። ስልፊ ብልጽግና ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ናይ’ዛ ወርሒ ኣብ ዘቃንዖ ጉባኤ፡ ኲናት ትግራይ ብሰላማዊ ዘተ ንምኽታም ኩሎም ኣማራጺታት ክጥቀም ምውሳኑ ይፍለጥ።