ሎሚ ዓርቢ 25 መጋቢት ንሳልሳይ መዓልቱ ኣብ ዝቐጸለ ጎብለል ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2022 ፣ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሕጂ`ዉን ብሩር መዳልያ መንዚዓ ኣላ።
ኣብ’ቲ ናይ mixed relay time ቅድድም፣ ብኣኽሊሉ ገብሪሂወት ፡ሚኪኤል ሃብቶም፡ዳዊት የማነ፡ ሞናሊዛ ኣርኣያ፡ ሚለና ያፌትን ፌቨን ሃይለን ዝተወከለት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንሃገራዊት ጋንታ ማዉሪሸስ ተኸቲላን ንግብጺ መሪሓን ካልኣይ ደረጃ ክትሕዝ ክኢላ ኣላ።
 
Mixed relay time ካብ ክልቲኡ ጾታ ሰሰለስተ ተወዳደርቲ ዝሳተፍዎ ዓይነት ቅድድም እዩ።
 
ኤርትራ ዛጊት ሓሙሽተ ወርቂ፡ ኣርባዕተ ብሩርን ሰለስተ ነሓስን ብድምር 12 መዳላያታት ሓፊሳ ነቲ ኣፍሪቃዊ መድረኽ ብዓብላልነት ትመርሖ ኣላ።
 
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ፡ ጽባሕ 26 መጋቢት 2022 ኣብ ዝቕጽል ናይ ውልቂ ውድድራት ክሮኖ ሜትር ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን፡ ከቢድ ምትህልላኽ ዝህልዎ መድረኽ ይጽበያ ኣሎ።