ሎሚ ቀዳም 26 መጋቢት ብናይ ጁንዮር ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ኣብ ዝቐጸለ ጎብለል ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2022፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ድሙቕ ዓወት ኣመዝጊቦም።

ኣብ ናይ ደቂ-ተባዕትዮ፡ ዮኤል ሃብትኣብን ሚኪኤል ኣረፋይነን  ተመራሪሖም 1ይን 2ይን ብምእታው ወርቅን ብሩርን መንዚዖም ኣለዉ።  

64.2 ኪ.ሜ ኣብ ዝሸፈና ናይ ጁንየር ቅድድም ደቂኣንስትዮ እዉን፡ ሮማና ጉዕሽ ተሸላሚት ብሩር መዳሊያ ኮይና።

ኤርትራ ዛጊት ሽዱሽተ ወርቂ፡ ሽዱሽተ ብሩርን ሰለስተ ነሓስን ብድምር 15 መዳላያታት ሓፊሳ ነቲ ኣፍሪቃዊ መድረኽ ገና ብዓብላልነት ትመርሖ ኣላ።