መንግስቲ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ሓተቲ ዑቕባ ኣዊጅዎ ዘሎ መጥረዝቲ ብቕልጡፍ ደዉ ክብል፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብ25 መጋቢት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ጸዊዑ።

እቶም ናብ ሃገሮም ብሓይሊ ዝምለሱ ዘለዉ ኤርትራዉያን ካብ’ቲ ዝሃደምሉ ስርዓት ዝጽበዮም ሓደጋ ከቢድ ከምዝኾነ ዘተሓሳሰበ እቲ ትካል፡ መንግስቲ ግብጺ ንኣህጉራዊ ሕግታት ሰብኣዊ መሰላትን ድሕነት ስደተኛታትን ኪግዛእ ጸዊዑ ኣሎ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ሰሙናት ፣ መንግስቲ ግብጺ 31 ኤርትራዉያን ሓተቲ ዑቕባ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ኤርትራ መሊሱ ምህላዉ ዝጠቐሰ ኣምነስቲ ፣ ሓደ ህጻንን ስለስተ ትሕቲ 7 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑን ዝርከብዎም ኣስታት 50 ኤርትራዉያን ሓተቲ ዑቕባ እዉን፡ ከባቢ ኣስዋን ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ ማእከል ተታሒዞም፡ መሰል ዑቕባኦም ሕጋዊ መስርሕ ተኸሊእዎ ንኽጥረዙ ምድላዋት ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ዳይረክተር ክፍሊ ምርምርን ጎስጋስን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ፊሊፕ ሉተር ፣ እቲ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ሓተቲ ዑቕባ ትኽተሎ ዘላ ተሪር ኣተሓሕዛ፡ ንኣህጉራዊ ሕግታት ብግህዶ ዝጥሕስ ከምዝኾነ ጠቒሱ፡ ሰብ-መዚ እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ኤርትራዉያን ሓተቲ ዑቕባ ግቡእን ሕጋዊን መስርሕ ኪኽተሉ ጸዊው ኣሎ። ትካሉ፡ እቶም ናብ ኤርትራ ብግዲ ዝምለሱ ዘለዉ ስደተኛታት ሻቡ ይእሰሩን ብመግረፍቲ ዝተሰነየ መርመራታት ይሓልፉን ከምዘለዉ ዘመልክቱ መርትዖታት ሰኒዱ ከምዘሎ እዉን ሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ፡ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ሓተቲ ዑቕባ ዝቕጽሎ ዘሎ ድጎናን ኣሰቃቒ ኣተሓሕዛን ብቕልጡፍ ክመሓየሽ ብምጽዋዕ፡ ድሕነትን እቶም ኤርትራዉያን ኣብ ምክትታል ቀጥታዊ ሓላፍነት ኽስከም ዝኽእል ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቲ ዘሎ ኩነታት እኹል ኣፍልጦ ናይ ምርካብ ዕድል ኪኽፈተሉ ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣትሪሩ ተማሕጺኑ።

መንግስቲ ግብጺ ንዝጥርዞም ኤርትራዉያን፡ ቅድሚ ሕክምናዊ መርመራታት ምግባሮም ብከዉሊ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣንዳወሰደ ናይ ጒዕዞ ሰነዳቶም ከጻፍፍ ከምዝፍትን ዘመላኽቱ ሓበሬታት ከምዘለዎ ክሕብር ዝጸንሐ ኣቲ ትካል፣ እቶም ዝጥረዙ ዘለዉ ሓተቲ ዑቕባ ንመሰል ጠበቓ ይኹን ዝኾነ ካልእ ሕጋዊ ደጋፋት ክልኩላት ምህላዎም እዩ ዝኸስስ።

ካብ ወርሓት ጥቅምቲ ክሳብ ታሕሳስ ናይ 2021 እዉን፡ ብውሑዱ 40 ኤርትራዉያን ሓተቲ ዑቕባ ካብ ግብጺ ናብ ኤርትራ ከምርሑ ከምእተገብረ ዘዘኻኸረ ኣምነስቲ፣ እቲ ተርእዮም ኣብ ቀዳሞት ኣዋርሕ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ብናህሪ ይቕጽል ከምዘሎ የረድእ።

ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ዝተባህለ ካልእ ትካል’ዉን፡ መንግስቲ ግብጺ ህጻናት ንዝርከብዎም ኤርትራውያን ሓተቲ ዕቑባ፡ ጉዳዮም ብሕጋዊ መንገዲ ኸይተራእየን መሰረታዊ መሰላቶም ኸይተሓለወን ብግዲ ናብ ኤርትራ ይጥርዝ ምህላዉ፡ ኣብ ዝሓልፈ ወርሒ ጥሪ ናይ’ዚ ዓመት ጸብጺቡ ነይሩ።

ልዕሊ 300 ኤርትራዉያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዘተፈላለያ ከተማታት ግብጺ ተዳጒኖም መጥረዝቲ ይጽበዮም ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።